ክልል ኦሮሚያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዎ ፍሉይ ረብሓ ንምሕላው ብዝብል ብቤት ምኽሪ ሚንስትራት ፀዲቑ ናብ ወከልቲ ህዝቢ ዝተመርሐ ረቂቕ ሕጊ “ንሕቶ ህዝቢ ዘይምልስ፣ዝተጠቕምሉ ቋንቋን ኣገላልፃን ንህዝቢ ዘረሓሕቕ ኸፋፋሊ እዩ’’ ክብሉ ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ግንባርን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ተቓዊመምዎ።
ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበሩ ኣዝማዶም ማይ፣ሓይሊ ኤሌትሪክ፣ቴሌፎንን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ብቐጥታ ክኸፍሉ ዘኽእሎም ኣገልግሎት ክጅመር እዩ። “ክፊያ’’ዝተባህለ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ውልቂ ማሕበር ምስ ማስተርካርድ ብምትሕብባር ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ እዚ ክፍሊት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ከምዝጅመር ድሕሪኡ ድማ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝዝርጋሕ ተገሊፁ።
ናብ ኣሜርካ ንምእታው ዲቪ ሎተሪ ዘመልክቱ ኢትዮጵያዊያን ካብ መጭበርበርቲ ንርእሶም ክከላኸሉ ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ድርቂ ዝተፈጥረ ሕፅረት መግብን ማይን ስዒቡ ብዝወረደ ለበዳ ሕማም ተምላስን ውፅኣትን ኣብ ክልል ሶማሊያ 68 ህፃናት ምሟቶም ዶብ ኣልቦ ሓካይም ገሊፁ።
ዲጂታል ዴሞክራሲ፣ንመንግስትን ንሰራሕተኛታት መንግስትን ተሓተቲ ዝገብር ሓደሽ መንገዲ ኮይኑ’ሎ።መርበብ ሓበሬታትን ተንቀሳቓሲ ኣፕልኬሽናትን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ፤ ዜጋታት ኣብ ፖለቲካ ፅምዶ ንክገብሩ፣ ድኹም ኣገልግሎት እንተሊዩ መረረቶም ከስምዑ ወይ ብልሽውና ከቃላዑ ዕድል ይህቦም ኣሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ይፍፅሙ ዘለው ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ደቡብ ሱዳን ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ ድሕሪ ምባል ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንምምፃእ ፃዕሪታት ክሕይሉ ጸዊዖም።
መራሒት ጀርመን ሃብታም ሃገራት ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ናይ ወፃኢ ወፍሪ(ኢንቨስትመንት) ኣገባብ ክኽተላ ፀዊዐን። “ናይ መርከል ትልሚ’’ ተባሂሉ ዝፅዋዕ እዚ መደብ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ንምግታእ ኣብ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ወፍሪ ክተኣታተው ይፅውዕ።
ሓድሽ ዝወፀ ፀብፃብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ኣብ ዙሪያ ዓለም ብዝሒ ብሰንኪ ኲናት፣ህውከትን ምህዳንን ካብ ሃገሮም ወጻኢ ዝሰደዱን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉን ሰባት ከምዝወሰኸ ኣፍሊጡ።ብመሰረት ናይቲ ትካል “ፀብፃብ ዓለምለኸ ዝንባለ”(Global Trend Report) ተራእዩ ብዘይፈልጥ ክሳብ መወዳእታ 2016 ዓ/ም 65.6 ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣለው።
ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ደርቂ ዝውዕል ክሳብ ሕጂ ካብ ለገስቲ ዝተረኽበ ረድኤት ውሑድ ምዃኑ ኮሚሽነር ሃገራዊ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጦም። ኮሚሽነር ሃገራዊ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኮሚሽነር ምትኩ ካሳ ክፍተታት ንምምላእ ቅድመ ምድላዋት ተገይሮም ኣለው ኢሎም ።ረድኤት እንተድኣ ዘይተረኺቡ ንልምዓት ዝተመደበ በጀት ናብ ረድኤት ብምምዳብ ህይወት ምትራፍ ናይ መወዳእታ አማረፂ እንተኾነ እውን ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ ዘገድድ ኩነታት ኣይተፈጥረን ኢሎም።
ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ዘለዋ ርክብ መጠነ ሰፊሕ ናብ ዝኾነ ስልታዊ ሽርክና ምስግጋሩ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ናይ ክልቲአን ሃገራት ርክብ ናብ ስልታዊ ርክብ ምስግጋሩ ምስ ምምራፅ ዶናልድ ትራምፕ ዘራኽብ የብሉን ኢሎም ኣለው።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ካብ ዝእወጅ 19 ሰባት ዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝተቐትሉ፣ልዕሊ 20,000 ሰባት ከምዝተኣስሩ፣ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ድማ መስቀይቲ ከምዝተፈፀሞም ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት/ሰመጉ/ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።መንግስቲ ንሕቶ ዜጋታቱ ብሰላማዊ፣ብሕጋዊን ብስልጡንን መንገዲ ክምልስ ሓቲቱ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2016 ቁጠባዊ ዕብየት ኣፍሪቃ ዝተሓተ ምንባሩ ሓደ ሪፖርት ሓቢሩ።ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ፣ደርቂ፣ፀጥታ፣ኣብ ገለ ክፋላት ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ድማ ገለ ካብ ምክንያታት ምንቁልቋል እቲ ቁጠባ እዮም።
ዳይሬክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም/WHO/ ንምምራፅ ሎሚ ሶኑይ ጉባኤኡ ጀሚሩ’ሎ።ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስትር ወፃኢ ከምኡ እውን ሚኒስትር ጥዕና ዝነበሩ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝርኸብዎ ሰለስተ ሕፁያት ተዳልዮም ኣለው።ዶ/ር ቴድሮስ ሕፁይ ኮይኖም ምቕራቦም ኣብ ኢትዮጵያዊያን ምክፍፋል ፈጢሩ’ሎ።ዓለምለኸ ክኢላታት እውን ከምኡ ዝተሓዋወሱ ርእይቶታት ይህቡ ኣለው።
ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ/መኢኣድን/ ሰማያዊ ፓርትን ኣብ ቂሊንጦ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣባላትና ንምብፃሕ ተኸልኪልና ኢሎም።ሕገመንግስታዊ መሰል ናይቶም እሱራት ዝጠሓሰ ስለዝኾነ ንምምሕዳር መአረሚ ማእኸል ምጥርዖም እውን ገሊፆም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ትልሚ ዕብየትን ስግግርን GTP ሓደን GTP ክልተን ብዝብል ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ሓንፂፁ ምንቅስቓስ ካብ ዝጅመር ፀኒሑ’ሎ።ብመሰረት እቲ ትልሚ GTP ሓደ ተወዲኡ GTP ክልተ ክጅምር ነይሩዎ።
ወታደራዊ ወፃኢታት ኣፍሪቃ ምጉዳሉ ንወታደራዊ ወፃኢታት ናይ ዝከታተል ዓለምለኸ ትካል ፀብፃብ ገሊፁ።
ተወሳኺ ጽዓን