ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ዘለዋ ርክብ መጠነ ሰፊሕ ናብ ዝኾነ ስልታዊ ሽርክና ምስግጋሩ ምስ ምምራፅ ዶናልድ ትራምፕ ዘራኽብ የብሉን” ሚ/ጉዳያት ወጻኢ


ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ መለስ ኣለም
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ መለስ ኣለም

ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ዘለዋ ርክብ መጠነ ሰፊሕ ናብ ዝኾነ ስልታዊ ሽርክና ምስግጋሩ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ናይ ክልቲአን ሃገራት ርክብ ናብ ስልታዊ ርክብ ምስግጋሩ ምስ ምምራፅ ዶናልድ ትራምፕ ዘራኽብ የብሉን ኢሎም ኣለው።

ዝፀንሐ ስጡም ርክባት ኢትዮጵያን ቻይናን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምዕባዩ ዝተገልፀ ኣብ ቀረባ ዝተፈራረምኦ ስምምዕ ስዒቡ እዩ።

ሎሚ ሓሙስ መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ መለስ ኣለም ኣብ ቀረባ ኣብ ቤጂንግ ዝተኻየደ ኣኼባ ብቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስታፉን ካብዚ ዑደትን ኣኼባን ዝተረዳእናዮ ቻይና ፅንዕቲ መሓዛ ምዃናን እዩ ኢሎም።

“ቻይና ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ምስ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ደው ከምትብል ኣረጋጊፃ’ላ።እዚ ርክብ ኣብ ቀረባ ናብ ሓያልን መጠነ ሰፊሕን ስትራተጂያዊ ኣጋርነት ምዕባዩ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንኩሉ መዳይን ኣብ ምትእምማን ዝተመስረተን ምዃኑ ዘረጋግፅ እዩ።”

ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ምስ ቻይና ዘለዋ ርክብ ደረጃ ብደረጃ እናዓበየ ምምፅኡ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ዝተረኸብ ሓበሬታ ይሕብር።

ኣብ 2004 ዓ.ም 357 ሚሊዮን ዶላር ዝነበረ ናይ ንግዲ መጠን ኣብ 2015 ዓ.ም 6.37 ቢሊዮን ዶላር በፂሑ’ሎ።በብዓመቱ ብማእኸላይ ብ22.2 ሚእታዊት እናዓበየ ምምፅኡ እቲ ሓበሬታ ይገልፅ።ቻይናዊያን ሰብሃብቲ ኣብ 624 ፕሮጀክትታት 3.86 ቢሊዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ወፍሪ ይገብሩ ከምዘለው ሓቢሩ’ሎ።

ኢትዮጵያ ብቻይናን ብካልኦት ሃገራት ኤስያን ብድምሩ ብ77 ሃገራት ኣብ 2012 ዓ.ም ዝተጣየሸ ናይ ኤስያ መሰረተ ልምዓት ኢንቨስትመንት ባንኪ ኣባል ምዃና ‘ውን ይገልፅ።እቲ ባንኪ ኣብ መሰረተ ልምዓት ንዝቐርቡ ፕሮጀክትታት ሓገዝ ገንዘብ ይህብ።ኢትዮጵያ ኣባል ናይዚ ባንኪ ዝኾነት ቅድሚ 18 መዓልታት ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።

ርክባት ኢትዮጵያን ቻይናን ይሕይል ከምዘሎ ዝተገልፀ ናይ ኣሜሪካ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝስዕብዎ ፖሊሲ ኣብዘይነፀረሉ እዋን እዩ።

ወሃቢ ቃል ኣቶ መለስ ግን ምሕያል ርክባት ቻይናን ኢትዮጵያን ኣብ ከይዲ እናዓበየ ዝመፀ እምበር ምስ ምርጫ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝራኸብ ኣይኮነን ይብሉ።

“ርክባት ኢትዮጵያን ቻይናን ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ እዩ።ኣብ ኣሜሪካ ምርጫ ዝተኻየደ ግን ቅድሚ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ መዓልታት እዩ።እዚ ርክብ ናብ መጠነ ሰፊሕ ስትራተጂያዊ ሽርክና ክሰጋገር ከሎ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝተኻየደ ምርጫ ዘራኽብ የብሉን።ኢትዮጵያን ቻይናን ሓባራዊ ዝኾኑ ረብሓታት ኣለወን።”

ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ኣዚዩ ፅኑዕ ዝኾነ ርክብ ኣለዋ።ኣብ ቀረባ ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ኣሜሪካ ኣብዝበፅሕሉ እዋን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር፣ምስ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ኮንግረስ፣ጎኒ ንጎኒ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ምስ ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ዘረጋገፁዎ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ናይ ሓባር ረብሓ ዘለወን ምዃኑን ርክበን እውን ፅኑዕ ምዃኑን እዩ።

ኢትዮጵያን ቻይናን ወግዓዊ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዝመስረታ ኣብ 1970 ዓ.ም. ምዃኑ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG