ሓፈሻዊ መግለጺ ቅልውላው ክልል ትግራይ
ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ክልል ትግራይን ዝጸንሐ ቃልሲ ስልጣን ናብ ንቀርኒ ኣፍሪቃዘየረጋግእ ወታሃደራዊ ግጭትን ሰብኣዊ ቀውስን ማዕቢሉ’ሎ
ሕዳር 4,2020: ህውሓት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ ወታሃደራዊ መዓስከር መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ" ዝበሎ ስርሒት ኣንጻር መራሕቲ'ቲ ክልል ዝኾነ መሪሕነት ህውሓት ጀሚሩ። መራሕቲ ህውሓት ንግብረ መልሲ ፈደራል መንግስቲ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ዝዓለመ ኹናት'ዩ ክብሉ ይገልጹ ።
ይኹን ደአ እምበር ወጥሪ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ህውሓት ካብ ሚያዝያ 2018, ምምዛዝ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ጀሚሩ ፈኸም ክብል ዝጸንሓ’ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣብ መዝነት ድሕሪ ምምጽኡ ምስ ጎረቤት ኤርትራ ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሙ: ከም ምፍታሕ እሱራት: ምኽፋት ቁጠባን ከምኡ’ውን ንዝተፈላለየ ብሄራት’ታ ሃገር ዝሓቑፍ ሓደ ፓርቲ -ብልጽግና ፓርቲ መስሪቱ። እዚ ነቲ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ ዝጸንሕ ዓብላልነት መዝነት ህውሓት ዘዳኽም’ዩ ኔሩ።
ንፖለቲካዊ ናጽነት ማዕጾ ዝኸፈተ ለውጢ ንዓሌት መሰረት ዝገበረ ግጭት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ታ ሃገር ክጉሃሃር’ ውን ጌሩ’ዩ። ሪፖርት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ 2020 ግጭት ኣብ ክልል ትግራይ ቕድሚ ምጅማሩ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ይሕብር።
ግጭት ክልል ትግራይ ኣብ ቐዳማይ ወርሑ ጥራይ ህይወት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምጥፍኡን ልዕሊ 1 ሚልዮን ድማ ካብ መነባብርኦም ምምዝባሉ ይግለጽ ኣሎ።
ጋዜጠኛታት ድምጺ ኣሜሪካ ንቀውሲ ክልል ትግራይ ብዝተፈላለየ መድረኻት ማለት ሬድዮ: ቴሌቭዥንን መርበብ ሓበሬታን የመሓላልፍዎ ኣለው።ንዋሕዚ ስደተኛታትን ምዝንባል ዜጋታትን ሸፈነ ምሃብ ድምጺኣሜሪካ ሓበሬታ ንምትሕልላፍ: ንምዝርራብ: ንናጽነትን ዲሞክራሲን ብምድጋፍ ሰባት ምርኻብ ምስ ዝብል ተልእኾኡ ቀዳምነት ሂቡ ካብ ዝሰርሓሎም ጉዳያት እዮም።
ዜና
ናብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ምእታው ይቕጽል፣ ንዘሎ ጋግ ግን ኣይመልእን
ሓፈሻዊ መግለጺ ቅልውላው ክልል ትግራይ
ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ክልል ትግራይን ዝጸንሐ ቃልሲ ስልጣን ናብ ንቀርኒ ኣፍሪቃዘየረጋግእ ወታሃደራዊ ግጭትን ሰብኣዊ ቀውስን ማዕቢሉ’ሎ
መንገዲ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን
ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብደረጃ ብሄር ፡ ኣብ 2007 ዝተኻየደ ቆጸራ ዝተወስደ
ዝያዳ ሓበሬታ ቅልውላው ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብዚ ምርካብ ይክኣል
ብዛዕባ ቅልውላው ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ተመሳሳሊ ሓበሬታ ኣብዚ ምርካብ ይክኣል
VOA News: ድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ እንግሊዝ
VOA Amharic: ድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ኣምሓርኛ
VOA Afaan-Oromoo: ድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ
-
06/01/2023
ሕ/ሃ ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ዝህቦ ሓገዝ ምውሳኹ ይገልጽ
-
03/01/2023
ተመዛበልቲ መኾኒ መሰረታዊ ሓገዝ ኣይረኸብናን ይብሉ
-
27/12/2022
ጸብጻብ፤ ዘተ ላዕለዎት ልኡኻት ምስ ህዝቢን ተወከልቲን ከተማ መቐለ
-
16/12/2022
ኩነታት ጸጥታ ክልል ኦሮምያ የንቋልቁል ምህላው ኦቻ ሓቢሩ
-
14/12/2022
ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጸገማቶም የካፍሉ
-
08/12/2022
ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ቴለፎንን ኤሌትሪክን ጀሚሩ