ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ድርቂ ህፁፅ ረድኤት ዘድልዮም ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 7.8 ሚሊዮን ምብፅሑ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሃገራዊ ምክልኻል ሓደጋ ኣፍሊጡ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሓደጋ ዓፀቦ ኣንጸላሊይዎም ዘሎ የመን ህይወት ንምድሓን ናይ 2.1 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ምሕፅንታ ኣቕሪቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘተ ንምጅማር ይዳለው ዘለው ገዛኢ ፓርቲ (ኢህወዴግን) ናይ ውሽጢ ሃገር ፓርትታትን ካብ መንጉኦም ሰለስተ ቀወምቲ መራሕቲ’ቲ ዘተ መሪፆም።ናይ ዘተ ኣጀንዳ ዘዋድድ ኮሚቴ እውን መሪጾም ኣለው።
ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ዝተኸሰተ ድርቂ ንምምካትን ረድኤት ንዘድልዮም ንምሕጋዝን ብክልላውን ፌደራላውን መንግስታት ከምኡ እውን ብዓለምለኸ መሻርኽቲ ይሰርሑ ምህላዎም ናይቲ ክልል ፕረዝደንት ኣፍሊጦም።
ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 70 ዓመታት ተራኢዩ ዘይፍለጥ ብዝተባህለ ድርቅን ጥምየትን ተጠቒዓ ኣስታት 20 ሚሊዮን ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንፀላሊዩዎም ከምዝርከብ ይግለፅ ኣሎ።ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሶማል፣ደቡብ ሱዳን፣ኬንያ፣ኢትዮጵያን ሓዊሱ ኣስታት 17 ሚሊዮን ሰባት ንድርቅን ጥምየትን ስለዝተቓልዑ ረድኤት የድልዮም ኣሎ።
ኣብ ቅድመ ልዝብ ይሳተፉ ዘለው ገዛኢ ፓርትን ፓርትታትን ውሽጢ ሃገር ክሳብ ሕዚ ናብቲ ቀንዲ ልዝብ ክኣትው ነይሩዎም ክብሉ ኣባል ፓርላማ ዝነበሩ ይነቕፉ።እቶም ፓርትታት ኣብ ስነስርዓት እቲ ልዝብ ከይተረዳድኡ ዘሕለፍዎ ግዜ ዝጠፍአ ግዜ እዩ ክብሉ ገሊፆምዎ ኣለው ኣባል ፓርላማን ናይ ፓን ኣፍሪካ ፓርላማ ናይ ክብሪ ምኽትል ፕረዝደንትን ዶ/ር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ።
ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ከምዝናዋሕ ሎሚ ሓሙስ ኣብዘካየዶ ጉባኤ ወሲኑ።
ነበርቲ ከተማ ባህርዳር ኣባይትና ብሓይሊ ፈሪሱ፣ኣብቲ መስርሕ ምፍራስ ብዝተፈጥረ ግጭት ብዙሓት ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ ተሃሪሞም'ዮም ክብሉ ይኸሱ።ኣብ ክልል ደቡብ እውን ከተማ ንምስፍሕፋሕ ብዝብል ብዘይካሕሳ ኣባይትና ብሓይሊ ፈሪሱና ይብሉ።ወሃቢ ቃል ክልል ኣምሓራ ሕጋዊ ዘይኮኑ ኣባይቲ ምፍራሶም ብምግላፅ ተፈፂሙ ብዛዕባ ዝተባህለ ማህረምቲ ግን ሓበሬታ የብለይን ኢሎም።
ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን/ICRC/ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃን የመንን ሚሊዮናት ሰባት ግዳያት ሞት ክገብር ዝኽእል ዓፀቦ ንምእላይ ሰለስተ፣ኣርባዕተ ኣዋርሕ ግዜ እዩ ዘለና ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣብ መንጎ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያን ተቓወምቲ ውድባትን ኣብ ዝካየድ መስርሕ ልዝብ ዘቐረቡ ሕቶታት ኣወንታዊ ምላሽ እንተድኣ ዘይረኺቦም እቲ ዝርርብ ከቋርፁዎ ከምዝኽእሉ ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ገሊፆም።
ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ(ኢሕወዴግ) ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምቲ ፓርትታት ንምልዛብ ዝወሰኑ ብፍርሕን ተፅዕኖ ሓይልታት ወፃኢን ኣይኮነን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንፓርላማ’ታ ሃገር ኣብ ዘቕረብዎ ሪፖርት ገሊጾም።ተቓወምቲ ብወገኖም መንግስትን ገዛኢ ፓርትን ንምልዛብ ዝወሰኑ ብህዝባዊ ተፅዕኖ እዩ ኢሎም ኣለው።
ኣሜሪካ ንረድኤት እትልግሶ ገንዘብ ክንኪ እየ ምባላ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝሰርሑ ሰበስልጣን ሰብኣዊ ረድኤት ሻቐለቶም ይገልፁ ኣለው።ኣብ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግቢ ዓለም ድማ ቅልውላው ጥምየት ኣብ ኣፍሪቃን የመንን ኣብዘንፀላልወሉ እዋን ምዃኑ ድማ ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን እዩ ኢሉ’ሎ።
ምቅይያር ኩነታት ኣየር ደቡባዊ፣ምዕራብን ምብራቕን ኣፍሪቃ ኣብ ሕርሻ ብዝፈጠሮ ተፅዕኖ ዋጋ መግቢ ብዝለዓለ ንሂሩ’ሎ።ናህሪ ዋጋ ካብ ናይጀሪያ ክሳብ ሶማል፣ ዙምባቤው ዝተንከፈ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ካብ ዝተቐመጡ እገዳታት ዝተወሰኑ ምልዓሎም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ንዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓል፣ምፍታሕ፣ፍተሻን ንመልኽእትታት ምቁፅፃርን ምድራትን ገለ ካብቶም ዝተለዓሉ እገዳታት ምኳኖም ሰክራተሪያት ኮማንድ ፖስት ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ ገሊፆም።
ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት/IOM/ ኣብ ሶማል ህይወት ብድርቂ ዝተጠቕዑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ንምድሓን 24.6 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ።
ተወሳኺ ጽዓን