ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ናይ ህጹጽ እዋን ዝተቐመጡ እገዳታት ብኸፊል ምልዓሎም ገሊጹ


ሚኒስትር ምክልኻልን ሰክራተሪያት ኮማንድ ፖስትን ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ
ሚኒስትር ምክልኻልን ሰክራተሪያት ኮማንድ ፖስትን ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ካብ ዝተቐመጡ እገዳታት ዝተወሰኑ ምልዓሎም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ንዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓል፣ምፍታሕ፣ፍተሻን ንመልኽእትታት ምቁፅፃርን ምድራትን ገለ ካብቶም ዝተለዓሉ እገዳታት ምኳኖም ሰክራተሪያት ኮማንድ ፖስት ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ ገሊፆም።

ኣብ ትካላት ልምዓት፣ኢንቨስትመንትን ፋብሪካታትን ዝኣመሰሉ ትካላትን ካብ ምሸት ሰዓት 12 ክሳብ ንግሆ ሰዓት 12 ካብ ዝተፈቕደሉ ሰራሕተኛ ወፃኢ ዝኾነ ሰብ ንከይንቀሳቐስ ዝተቐመጠ እገዳ’ውን ተላዒሉ።ሰዓት እቶ እቶ እውን ተላዒሉ’ሎ።

እቶም እገዳታት ክጥሓሱ ከለው ዝውሰዱ ስጉምትታት ከምዝተለዓሉ ሚኒስትር ምክልኻልን ሰክራተሪያት ኮማንድ ፖስትን ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ ገሊፆም።

ብዝኾነ ይኹን ረድዮ፣ቴሌቪዥን፣ብፎቶግራፍ፣ብምስሊ፣ብቲያትርን ብፊልምን ዝመሓለለፉ መልኽእትታት ናይ ምቁፅፃርን ምእጋድን ስጉምቲ ዝብል እውን ከምዝተለዓለን ብኮማንድ ፖስት ዝውሃብ ስልጠና ምትራፉን ኣቶ ሲራጅ ሓቢሮም።

እቶም እገዳታት ክልዓሉ ምኽንያት ካብ ዝኾኑ ክገልፁ ከለው እውን እቲ ዝነበረ ህውከትን ዕግርግርን ብዝለዓለ ኩነታት ብምንካዩን እዞም እገዳታት ክጥሓሱ ከለው ብስሩዕ ናይ ሕጊ ኣገባብ ምቁፅፃር ስለዝክኣልን እዩ ኢሎም።

እቲ ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ክሳብ መዓስ ከምዝቕፅል ዝውሰን ብፓርላማ ምዃኑ ብምግላፅ መርማሪ ቦርድ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ዝርዝር መፅናዕቲ ብምክያድ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ከቕርብ እዩ ኢሎም።

ህውከትን ዕግርግርን ምልዕዓል፣ምስ ውድባት ግብረ ሸበራ ርክብ ምፍጣር፣ናይ ኣደባባይ ኣኼባ ምክያድ፣ኣገልግሎት ንህዝቢ ዘይምሃብ፣ኣብ ትካላት ትምህርትን ናይ ስፖርት ትካላትን ኣድማ ምኽያድ ዝብሉ ግን ካብ መንጎ ዘይተለዓሉ እገዳታት እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG