ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ተናዊሑ


 ፋይል- ፓርላማ ኢትዮጵያ
ፋይል- ፓርላማ ኢትዮጵያ

ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ከምዝናዋሕ ሎሚ ሓሙስ ኣብዘካየዶ ጉባኤ ወሲኑ።

ሰክረታሪያት ኮማንድ ፖስትን ሚኒስትር ምክልኻልን ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ እቲ ኣዋጅ ክናዋሕ ዘድለየሉ ምኽንያት ነቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገለፅሉ እዋን ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተረኽበ ኣንፃራዊ ሰላምን ምርግጋእን ናብ ዘይቕየር ደረጃ ንምብፃሕን ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ይርኣዩ ዘለው ፀገማት ፀጥታ ንምቁፅፃርን ምዃኑ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፀብፃብ ተገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ ንስርዓት መናውሒ ኣዋጅ ድሕሪ ምምርማር ብምሉእ ድምፂ ኣፅዲቑዎ’ሎ።

እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንክናዋሕ ዘግብሩ ምኽንያታት ከምዘለው ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ቀረባ እዋብ ንፓርላማ ኢትዮጵያ ከምዚ ኢሎም ነይሮም።

“ኣብ ገለ ከባቢታት ዝርኣዩ ግጭታት፣ኣብ ዓበይቲ ጎደና መኪናታት ምዝራፍን ምስባርን፣ኣብ ሒደት ከባቢታት ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምትዕንቃፍ ኣብ ትካላት ትምህርቲ ዕግርግር ንምፍጣር፣ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ኣብ ቀፅሪ ናይ ውልቅን ትካላትን ተተኮስቲ ምድርባይን ይርኣዩ ኣለው።እዞም ፍጻሜታት ኣብ ውስን ከባቢታት ዝተርኣዩ እንተኾኑ እውን ምስ ህዝብና ተወሳኺ ዝርርብ ብምክያድ ነቶም ተግባራት ንምምካን ተወሳኺን ዝተዋደዱን ስራሓት ክንሰርሕ ከምዘለና ዝሕብሩ እዮም።”

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ነዞም ዝተጠቕሱ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንሓደ ግዜ እንተድኣ ተናዊሑ ድልዱሉን ኣዚዩ ዘተኣማምንን ሰላም ንምርግጋፅ ይክኣል እዩ ዝብል ሓሳብ ኣብ ህዝቢ ከምዘሎ ንምርዳእ ክኢልና ኣለና ኢሎም ።ኣብ ህፁፅ ግዜ ካብ ዝተቐመጡ እገዳታት መብዛሕቲኦም ምልዓሎም እቲ ኮማንድ ፖስት ኣብ ቀረባ ምግላፁ ይዝከር።

ኣብ እዋን ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ካብ ክልላት ኦሮሚያ፣ኣምሓራ፣ደቡብን ኣዲስ ኣበባን 26,130 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም፣ካብኦም እቶም 20,659 ስልጠና ተሃድሶ ከምዝተውሃቦምን እቶም 4,996 ድማ ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡን ነቲ ቤት ምኽሪ ፀብፃብ ዘቕረበ ቦርድ ህፁፅ ኣዋጅ ግዜ ሓቢሩ’ሎ።

ብዛዕባ ምንዋሕ ህፁፅ እዋን ሪኢትኦም ክህቡ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረበቶም ውልቀ ሰባት ኣብ እዋን ህፁፅ ግዜ ተኣሲሩ ዝነበረ መምህር ዩኒቨርስቲ ኣምቦ ኣቶ ስዩም ተሾመ እቲ ህዝቢ ተቓውምኡ ዝገልፀሉ አማራጺ ብተቓውሞ ሰልፍን ዓመፅን ስለዝኾነ መንግስቲ ነዚ ተረዲኡ ዝወሰዶ ስጉምቲ እዩ ይብል።

ተኣሲሩ ዝተፈትሐ ፀሓፊ ኢንተርኔት በፍቃዱ ሃይሉ ግን እቲ ኣዋጅ ንቁጠባ ይኹን ምስሊ ሃገር ፅቡቕ ስለዘይኮነ ክልዓል እዩ ዝብል ትፅቢት ነይሩኒ ክብል ርእይትኡ ሂቡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ተናዊሑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:46 0:00

XS
SM
MD
LG