ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ድርቂ ህፁፅ ሓገዝ መግቢ ዘድልዮም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ካብ ዝተገልፀ ምውሳኹ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምክልኻል ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣቶ ምትኩ ካሳ ገሊፆም።
“ብመሰረት ኣብ ጥሪ 2017 ዓ.ም ወግዓዊ ዝገበርናዮ ኣሃዝ 5.6 ሚሊዮን ነይሩ።ድርቂ ኣብ ዝተኸሰቶም እንስሳት ብምርባሕ ዝናበሩ እቲ ድርቂ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ብምኻዱ ሕዚ በዝሒ ተሓጋዛይ 7.78 ሚሊዮን በፂሑ’ሎ።”
ኣስታት 1.5 ሚልዮን ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣203,000 ኣብ ክልል ደቡብ ብሄርን ብሄረሰባትን ህዝብታትን፣ኣስታት 304,000 ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝሒ ተሓገዝቲ ምውሳኹ ዘርዚሮም።ኣብ ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ዳህሳስ ሓረስቶት ዘራእቶም ብበረድ፣ኣስሓይታን ብውሑጅን ስለዝተጎደአ ብዝሒ ተሓጋገዝቲ ክውስኽ ክኢሉ’ሎ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝርዝር ብዓፀቦ ዝተጠቕዓ ሃገራር ኣይተጠቐሰትን ዘላ፡እዚ ዝኾነሉ ምክንያት ኣቶ ምትኩ ክገልፁ ከለው መንግስቲ ሓገዝ ንዘድልዮም ንኩሎም ዜጋታት ሓገዝ የቕርብ ስለዘሎ እዩ ኢሎም።
ኣቶ ምትኩ ብተወሳኺ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝቐረበ ኣስታት ሓደ ቢሊዮን ዶላር መፀዋዕታ ሓገዝ ክንድቲ ዝደለ ኣይትረኽበን ኢሎም ።
“ሓገዝ ዝሃቡ ኣለው እዮም፤ብዙሕ ግን ኣይኮነን።ንኣብነት መንግስቲ ኣሜሪካ ብፕሮግራም መግቢ ዓለምን ሓባራዊ ህፁፅ ስርሒት ብዝተባህለ ትካልን ኣቢሉ 114 ሚሊዮን ዶላር ሂቡ።ዝተወሰኑ ካልኦት መንግስታት እውን ሂቦም ኣለው።ምስቲ እንደልዮ ረድኤት ክነፃፀር ከሎ ግን ዝሕቱል እዩ።”
ኣቶ ምትኹ ቀጺሎም ብርክት ዝበላ ዓፀቦ ዝኣወጃ ሃገራት ብምህላወን ዓቕሚ እተን ሃገራት ስለዝተመቓቐለ እዩ ድሕሪ ምባል እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈላማይ ዙር ሓደ ቢሊዮን ቕርሺ መዲቡ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ ኣሎ ኢሎም።
ክልላዊ መንግስታት እውን ባጀት መዲበን ኣብ ምንቅስቓስ ከምዝርከባን ኣብ መንጎ ክልላት እውን ምትሕግጋዝ ከምዘሎ ገሊፆም።
ሰብ ሃብቲ እውን ብናይ ባዕላቶም ተበግሶታት ካብ ማእኸል ሃገር እኽሊ እናሸመቱን ቀለብ እንስሳት እናዓደጉን ኣብ ምቕራብ ከምዝርከቡ ኣቶ ምትኩ ካሳ ገሊፆም።
ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ምሉእ ረድኤት እናቐረበሎም ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ድርቂ እምበር ጥምየት የለን፤ፈደራላዊ መንግስቲ፣ክልላዊ መንግስታትን ገለ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ መግቢ የቕርቡ ኣለው እውን ኢሎም።