ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምቅይያር ኩነታት ኣየር ኣፍሪቃ ኣብ ሕርሻ ብዝፈጠሮ ተፅዕኖ ዋጋ መግቢ ብዝለዓለ ንሂሩ’ሎ


ፋይል
ፋይል

ምቅይያር ኩነታት ኣየር ደቡባዊ፣ምዕራብን ምብራቕን ኣፍሪቃ ኣብ ሕርሻ ብዝፈጠሮ ተፅዕኖ ዋጋ መግቢ ብዝለዓለ ንሂሩ’ሎ።ናህሪ ዋጋ ካብ ናይጀሪያ ክሳብ ሶማል፣ ዙምባቤው ዝተንከፈ እዩ።

ፈታኒ እዋን እዩ ይብሉ ኣብ ናይጀሪያ ንሓረስቶት ናይ ዝሕግዝ ትካል መራሒ ጋድፍረይ ኒዎሱ።ምንጪ ናህሪ ዋጋ ናይጀሪያ ኣብ ቀላይ ቻድ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕሱም ድርቂ ምዃኑ ይገልፁ።

እቲ ኣብ ከባቢያዊ ኩነታት ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ይጅምር ጥራሕ ከምዘሎ ስኽፍታታቶም ብምግላፅ እቲ ቅልውላው መግቢ እውን ይጅምር እዩ ዘሎ ይብሉ።ዝቕባበ፣ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ፣ምንሃር ቀረፅ ካብ ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ዝኣትው ናይ ሕርሻ መሳርሕታት፣ብልሽውና፣ንሕርሻ ዘተባብዕ ሕጊ ዘይምህላውን መንእሰያት ኣብ ሕርሻ ናይ ምውፋሮም ድልየት ምትሓትን እውን ንናህሪ ዋጋ መግቢ ኣብ ናይጀሪያ ተወሳኺ ምኽንያታት እዮም።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝወረደ ድርቂ 16 ሚሊዮን ሰባት ንጥምየት ምቅልዖም ትካላት ረድኤት ኣብ ቀረባ እዋን ናይ መጠንቀቕታ ደወል ኣስሚዖም ኣለው።ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክፋላት ደቡብ ሱዳን ዓፀቦ ከምዝወረደ ዝኣወጀ ክኸውን ከሎ ሶማል ድማ ዓፀቦ ከጋጥማ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ።

ቀንዲ ምንጪ ቅልውላው መግቢ ድርቂ’ዃ እንተኾነ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ሶማልን ዘሎ ዘይምርግጋእ እተን ሃገራት ንጥምየት ክቃልዓ ገይሩወን ይብሉ ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግብን ሕርሻን/ፋኦ/ ክኢላ ስነ ቁጠባ ማሪዮ ዛፖኮስታ።

ኣብዚ ትካል ክኢላ ስነ-ቁጠባ ዝኾኑ ጆናታን ፖውንድ ገለ መንግስታት ኣፍሪቃ ወሰኽ ዋና መግቢ ንምርግጋእ ፃዕርታት ከምዝገበሩ ይገልፁ።ኬንያ ካብ ደገ ዝኣትው መሽላ ባሕሪ እተኽፍሎ ዝነበረት ግብሪ ኣልዒላ’ላ።መንግስቲ ዝምባቤው ግብሪ ካብ ፍሪያት መግቢ ነኪዩዎ’ሎ።ካልኦት ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ እውን ዕዳጋን ቀረብን መግቢ ንምርግጋእ ካብ ሃገራዊ ዕቑር ትሕዝቶ ብምውጻእ ኣብ ምቕራብ ይርከባ ኣለዋ ይብሉ ።

ዋና ፀሓፊ ማሕበር መላእ ሓረስቶት ናይጀሪያ ኒዎሱ መንግስቶም ሓረስቶት ዋጋ መግቢ ከውርዱ ኣብ ምትብባዕ ተወሳኺ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG