ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን የመንን ዘጋጠመ ዓጸቦ ንምእላይ ኣዋርሕ ጥራይ ምትራፉ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን/ICRC/ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃን የመንን ሚሊዮናት ሰባት ግዳያት ሞት ክገብር ዝኽእል ዓፀቦ ንምእላይ ሰለስተ፣ኣርባዕተ ኣዋርሕ ግዜ እዩ ዘለና ክብል ኣጠንቂቑ።

ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ኣብ ሶማል፣ደቡብ ሱዳን፣ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀሪያን የመንን ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ሞት ንምእላይ ጊዜ የለን ኢሉ’ሎ።

ኣብ ትካል ዳይሬክተር ስርሒታት ሓገዝ ዶሚኒክ ስቲልሃርት ሚሊዮናት ሰባት ናይዘን ሃገራት ብዓፀቦ ከይሞቱ ንምክልኻል ትካላት ረድኤት ብቕልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ከሐይላን ዓለምለኸ ለገስቲ ድማ ነዞም ፃዕርታት ክሕግዙን ፀዊዖም።

ኣብ ኣርብዕቲአን ሃገራት ዘጋጠመ ዓፀቦ ብዝዓበየ ብሰንኪ ዝተናውሐ ግጭት ምዃኑ ብምሕባር ሶማልን የመንን ብድርቂ ዝተጠቕዓ ምዃነን ሓቢሮም።

ዳይሬክተር ስቲልሃርት ኣብ ደቡብ ሱዳንን ምብራቓዊ ናይጀሪያን ዝወርድ ዓፀቦ ብግጭት ዝተፈጥረ ሰብ ሰራሖ ስለዝኾነ ኣዚዩ ዝተሓላለኸ እዩ ኢሎም ።

ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ብዓፀቦ ኣብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሓሙሽተ ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ረድኤት ንምቕራብ ናይ 400 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ምሕፅንታ ቐሪቡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን የመንን ዘጋጠመ ዓጸቦ ንምእላይ ኣዋርሕ ጥራይ ምትራፉ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:10 0:00


XS
SM
MD
LG