ካብ ኦሮሚያ ዝመፁ ዕጡቓት ምስ ኦሮሚያ ኣብ ዘዳውብ ወረዳታት ሶማሊያ መጥቓዕቲ ይፍጽሙ ኣለው ክብል ናይ ኢትዮጵያ ሶማልያ ክልላዊ መንግስቲ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ሓሙሽተ ክልላት ዘጋጠመ ደርቂ ንምምካትን ን5.6 ሚሊዮን ህዝቢ ረድኤት መግቢ ንምቕራብን ካብ ዝተሓተተ ናይ ሓደ ቢሊዮን ዶላር ረድኤት ዛጊት ምንም ከምዘይተረኽበ ኮሚሽን ሃገራዊ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጦም። ንሶም ብተወሳኪ ገንዘብ እንተድኣ ዘይተረኺቡ መንግስቲ ምስ ሰብ ሃብትን ሕብረተሰብን ብምትሕብባር ክሽፍኖ ምኻኑ ኣፍሊጦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ሕብረተሰብ ንዘልዓሎም ሕቶታት መሰረት ዝገበሩ ፖለቲካውን ሕጋውን ስጉምትታት ይውሰዱ ከምዘለው ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኦሎምፒክ ሪዮ - ብራዚል ክልተ ኣእዳዉ ብምጥማር ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ ዝበሎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዓለም ዘርኣየ ኢትዮጵያዊያ ኣትሌት ፈይሳ ለሊሳ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ስድራ ቤቱ ተፀምቢሩ። ተሸላሚ ብሩር መዳሊያ ኦሎምፒክስ ዝኾነ ኣትሌት ፈይሳ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ትማሊ ናብ ኣሜሪካ መፂኦም ኣለው።
ኣብ መንጎ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግን ተቓወምቲ ፓርትታትን ንዝኻየድ ልዝብ መበገሲ ኣኼባ 8 ለካቲት 2009 ዓ.ም ምፅውዑ ተፈሊጡ።ኣብቲ ምስ ኢህወዴግ ዝካየድ ልዝብ ተቓውምቲ ፓርትታት ሓደ መርገፂ ሒዞም ክቐርቡ ሎሚ መግለፂ ዝሃቡ 11 ፓርትታት ብዛዕባ’ቲ ልዝብ ዘለዎም ተስፍ ገሊፆም።ኣካይዳ እቲ ኣኼባ ብልዝብ ከምዝውሰን ወሃቢ ቃል ኢህወዴግ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።
ሽዱሽተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኢህወዴግን ተቓወምቲ ፓርታትን ንዝካየድ ልዝብ መማረፂ ሓሳብ ንመንግስቲ ምቕራቦ ኣፍሊጦም።
ብህውከትን ዕግርግርን ተጠርጢሮም ካብ ክልላት ኦሮሚያ፣ደቡብን ኣምሓራን ተታሒዞም ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ ልዕሊ 11 ሽሕ ሰልጠንቲ ትማሊ ከምዝወፁ መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ፀብፂበን።ተቓወምቲ ፓርትታት እታ ሃገር ግን ክንደይ ተኣሲሮም ክንደይከ ተሪፎም ንፈልጦ የብልናን ይብሉ’ለው።
ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ መንጎ ኣባላት ኣመራርሓን ደገፍትን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ኣብ ክልተ ጉጅለታት ከምዝተኸፈለ ክዝረበሉ ዝፀንሐ ሰማያዊ ፓርቲ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ኣብ ቤት ፅሕፈተና ተቐጥቂጥና ክብሉ ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ሓቢሮም።
ሕብረት ኣፍሪቃ Aዚ ውሳኔ ብሕጊ ኣሳሪ ከምዘይኮነ ግን ድማ ንናይታ ክፍለ ኣህጉር ሰላም፣ፀጥታን ፍትሕን ክልውጥ ይኽእል እዩ ይብል።ብኻልእ ወገን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ፅባሕ ዝዛዘም ጉባኤ ግጭት ኣብዝበዝሖም ከባቢታት ኣፍሪቃ ናይ ምፍታሕ ትልሚ ሕጂ ብዓብዪ ተስፋ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ገሊፁ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ክፍለ ግዝኣት ኣፐር ናይል ከተማ ዋዩ ሺሉክ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ዓመፅትን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብሰንኪ ዝተላዓለ ግጭት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት/IOM/ ንኣሽሓት ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ይህቦ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዛት ደው ከብል ተገዲዱ።
ኣሜሪካ ንኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ንምምላስ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንሕብረት ኣፍሪቃን ንሕድሕድ ምትሕግጋዝን ዓብዪ ፈተና እዩ ይብላ ተሰናባቲት ኣደ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ።
ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣብ መንጎ ዓቃቢ ሕጊን ብተግባር ሽበራ ዝተኸሱ ፀሓፍቲ ዓምዲ ኢንተርኔት እኒ ሶሊያና ሽመልስን ዝካየድ ክርክር ሎሚ እውን ውሳነ ኣይሃበን።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቂ ሕፅረት መግቢ፣ዝስተ ማይን ፀገም ቀለብ እንስሳትን ከምዘጋጠመ፣ እንስሳት ምሟት ከምዝጀመራን ኣሽሓት ተማሃሮ ትምህርቶም ከምዘቋረፁን ነበርቲ ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ፣ዞባ ጋምጎፋ ከተማ ሳውላ ተኣሲሮም ዝነበሩ 13 ኣባልትን መራሕትን ውድብና ትማሊ ምሸት ተፈቲሖም ክብል ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ/መኢኣድ/ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ንመጻኢ ክካየድ ትፅቢት ኣብ ዝገበረሉ ልዝብ ኢህወዴግን ተቓወምቲ ፓርትታትን ንምስታፍ ኤምባሲ ኖርወይ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሰማያዊ ፓርቲ ሓበሬታ ምሕታቱ እቲ ፓርቲ ኣፍሊጡ።
ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ኣብዚ ሰሙን እዚ ናይ ኢድ ቦምብ ተደርቢዮም ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ጉድኣት ከምዝበሕፀ ተፈሊጡ።
ተወሳኺ ጽዓን