ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዶብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልያን ዝረአ ግጭት ብናይ ወጻኢ ጸረ-ሰላም ሓይልታት ዝምርሑ ዝፍጸሙ’ዮም ክብል ክልላዊ መንግስቲ ሶማልያ ኣፍሊጡ


ethiopia map
ethiopia map

ካብ ኦሮሚያ ዝመፁ ዕጡቓት ምስ ኦሮሚያ ኣብ ዘዳውብ ወረዳታት ሶማሊያ መጥቓዕቲ ይፍጽሙ ኣለው ክብል ናይ ኢትዮጵያ ሶማልያ ክልላዊ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ሶማልያ ኣቶ እድሪስ እስማዒል እቶም ዕጡቓት ንህዝብን መንግስትን ክልል ኦሮሚያ ዘይውክሉ ኣብ ወፃኢ ብዝርከቡ ፀረ-ሰላም ሓይልታት ዝምርሑ እዮም ኢሎም።ብዕጡቓት ዝፍፀሙ መጥቓዕትታት ፍታሕ ንምርካብ ኣብ መንጎ ኮማንድ ፖስት ኣዋጅ ህፁፅ እዋንን ክልቲኦም ክልላትን ፃዕርታት ይገብር ከምዘለው’ውን ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ንክልላት ኦሮሚያን ሶማሊያን ኣብ ዘዳውቡ ወረዳታት መጥቓዕቲ ዝፍፅሙ ሓይልታት ብዝምልከት ገምጋም ክልቲኦም ክልላዊ መንግስታት ዝተፈላለየ እዩ።ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ነቲ መጥቓዕቲ ይፍፅሙ ዘለው ካብ ክልል ሶማሊያ ዝልዓሉ ነገርን ግን ንህዝቢ ይኹን ንመንግስታዊ መሓርው ሶማሊያ ዘይውክሉ ዕጡቓት ምዃኖም ናይ ኦሮሚያ ክልላዊ መንግስቲ ምግላፁ ይዝከር።

ክልላዊ መንግስቲ ሶማልያ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣቶ እድሪስ እስማዒል ኣብዝሃቦ መብርሂ ካብ ክልል ኦሮሚያ ዝልዓሉ ዕጡቓት ንክልቲኡ ክልላት ኣብዘዋስኑ ወረዳታት መጥቓዕቲ ኣብ ምፍፃም ይርከቡ ይብሉ።

“ካብ ኦሮሚያ ተወዲቦም ዝኣተው ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ መጥቓዕቲ ክፍፅሙ ዝፀንሕሉ ኩነታት ኣሎ።ምስቲ ክልል ብሓባር እናተዘራረብና ከምኡ እውን ምስ ፌደራል መንግስትን ኮማንድ ፖስትን ብሓባር ኣብ ምስራሕ ንርኸብ።ቤካፍቱ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ ጥራሕ ኣብ ኣርባዕተ ጣቢያታት ካብ ኦሮሚያ ዝኣተው ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መጥቓዕቲ ክፍፅም ፀኒሖም ኣለው። “

ናብ ክልል ሶማልያ እናኣተው መጥቓዕቲ ዝፍፅሙ ሓይልታት ናይ ኦሮሚያ ክልላዊ መንግስት ይኹን ህዝቢ ከምዘይውክሉ የግዳስ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣሸበርቲ ኣካላት ኣብቲ ክልል፣ኣብታ ሃገርን ህወከትንምፍጣርን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምግጫው ነቲ ግጭት ይመርሑዎ ኣለው ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሊያ ዝንቀሳቐሱ ሰለስተ ፖለቲካዊ ፓርትታት ሎሚ ኣብዘውፅእዎ ሓባራዊ መግለፂ ፌደራልን ክልላዊ መንግስታትን ነቲ ፀገም ቕልጡፍ ፍታሕ ክህብሉ ሓቲቶም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG