ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ናይ ምውፃእ ስትራተጂ ንምትግባር ወሲኑ


ሕብረት ኣፍሪቃ Aዚ ውሳኔ ብሕጊ ኣሳሪ ከምዘይኮነ ግን ድማ ንናይታ ክፍለ ኣህጉር ሰላም፣ፀጥታን ፍትሕን ክልውጥ ይኽእል እዩ ይብል።ብኻልእ ወገን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ፅባሕ ዝዛዘም ጉባኤ ግጭት ኣብዝበዝሖም ከባቢታት ኣፍሪቃ ናይ ምፍታሕ ትልሚ ሕጂ ብዓብዪ ተስፋ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣፍሪቃዊያን መራሕቲ መንግስታት ኣብ ዕፁዎ ማዕፆ ሓደ ዓብዪ ውሳነ ብሰላሕታ ወሲኖም ኣለው።

ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን/ICC/ ብገበናት ኲናት ዝተኸሱ ወይ ዝድለዩ መራሕቲ ዝርከቡዎም ዓሰርተታት ኣፍሪቃዊያን መራሕቲ መንግስቲ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ጉባኤኦም ካብቲ ኣሰሓሓቢ ቤት ፍርዲ ብጃምላ ናይ ምውፃእ ስትራተጂ ንምትግባር ተንቀሳቒሶም ኣለው።

እቲ ቤትፍርዲ ብዘይሚዛናዊነት ዒላማ ይገብረና’ሎ ክብሉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ይኸሱዎም።ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዛጊት ካብዝኸሰሶም 39 ሰባት ኩሎም ኣፍሪቃዊያን እዮም ይብሉ።

ድምጺ ኣሜሪካ ነቲ ውሳነ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ምትእስሳር ካብዘለዎም ክልተ ምንጭታት ኣረጋጊፁዎ’ሎ።

እቶም ምንጭታት እቲ ውሳነ ብሕጊ ኣሳሪ ዘይኮነ ፖለቲካዊ መርገፂ እዩ ይብሉ ።ካብ 34 ኣፍሪቃዊያን ኣባላት እቲ ቤት ፍርዲ ሓንቲ ክትወፅእ እንተድኣ ደልያ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ስጉምቲ ክድግፎ እዩ።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሩንዲ፣ጋምቢያን ደቡብ ኣፍሪቃን ካብቲ ነዊሕን ዝተሓላለኸን መስርሕ ምውፃእ ንምጅማር ድልየት ኣርእየን ኣለዋ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደብሩ ትካል መፅናዕትታት ፀጥታ መፅናዕቲ ዘካይዱ ዱቡሲ ክርስቲያን ኣኒ እቲ ውሳነ ካልኦት ሃገራት እውን ካብ ኣባልነት እቲ ቤት ፍርዲ ክወፃ ዘተባብዐን እዩ ይብሉ።

ብኻልእ ወገን ዳግም ዝተመርፁ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ስማይል ቸርጉዪ ኣብ 2012 ዓ.ም ዝጀመረ ናዕብን ህውከትን ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪቃ ናይ ምሽምጋል ስርሖም ቀፂሎም ኣለው።ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝህብዎ ቃል ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።ሕብረት ኣፍሪቃ ግጭታት ከይልዓሉ ኣብ ምክልኻልን ትካላትን ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ምሕያልን ትኹረት ክግበር ኣለዎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ናይ ምውፃእ ስትራተጂ ንምትግባር ወሲኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:21 0:00

XS
SM
MD
LG