ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መኢኣድ ትማሊ ዝተአስሩ 13 አባላቱ ምፍትሖም ሓቢሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ፣ዞባ ጋምጎፋ ከተማ ሳውላ ተኣሲሮም ዝነበሩ 13 ኣባልትን መራሕትን ውድብና ትማሊ ምሸት ተፈቲሖም ክብል ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ/መኢኣድ/ ኣፍሊጡ።

መኢኣድ ሎሚ ረቡዕ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ከምዝገለፆ ሰለስተ ላዕለዎት ኣባላት ኣመራርሓ ሓዊሱ 13 ኣባላቱ ትማሊ ምሸት ተፈቲሖም ኣለው።

እቶም ትማሊ ዝተአስሩ 13 ሰባት ብዋሕስ ምፍትሖም ዘረጋገፀ ክልላዊ መንግስቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ብወገኑ ኣይተጋገዩን ማለት ግን ኣይኮነን፤ ዝተፈትሕሉ ምክንያት ድማ መንግስቲ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ምስ ዝንቀሳቐሱ ፓርትታት ተሓባቢሩ ንምስራሕ ካብ ዘለዎ ድልውነት እዩ ክብሉ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚንኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ኣቶ ሰለሞን ሃይሉ ገሊጾም።

ተኣሲሮም ካብ መንጎ ዝነበሩ ኣቶ ኣቻ ለገሰ ናይ መኢኣድ ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ሓላፊ ቀጠና ደቡብ፣ኣቶ እንግዳው ደንጨሮ ኣብ ፍሉይ ወረዳ ሳውላ ናይ መኢኣድ ኣካቢ ከምኡ እውን ኣቶ ካሳየ ካሊሳ ኣብዚ ወረዳ እዚ ምኽትል ኣካቢ መኢኣድ ይርከቡዎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መኢኣድ ትማሊ ዝተአስሩ 13 አባላቱ ምፍትሖም ሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:48 0:00


XS
SM
MD
LG