ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 28 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪቃ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ፡ ሓድሽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ተመሪጹ


ተሰናባቲት ኣደ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኢንኮሳዛና ዲላሚኒ ዙማ
ተሰናባቲት ኣደ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኢንኮሳዛና ዲላሚኒ ዙማ

ኣሜሪካ ንኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ንምምላስ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንሕብረት ኣፍሪቃን ንሕድሕድ ምትሕግጋዝን ዓብዪ ፈተና እዩ ይብላ ተሰናባቲት ኣደ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ።

ናይ ጊኒ ፕረዝደንት ኣልፋ ኮንዴ ስልጣን ኣቦመንበርነት ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ናይ ቻድ ፕረዝደንት እድሪስ ደቢ ተረኪቦም።

ኣብ ሃገራት ዝፍጠሩ ቅልውላዋት ካብ መጀመርያ ከይፍጠሩ ምስራሕ ከምዘድሊ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ መደረ ዘስምዑ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ተዛሪቦም።

መበል 28 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪቃ ሎማዕንቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩ’ሎ።

ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ አዲስ ኣበባ
ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ አዲስ ኣበባ

ንዝሓለፉ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ኣደመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብምዃን ዝሰርሓ ዶ/ር ኢንኮሳዛና ዲላሚኒ ዙማ ኣብ መኽፈቲ ዘስምዕኦ መደረ እታ ኣህጉር ዘጋጠማ ፈተናን ዝተሰርሑ ኣወንታዊ ስራሓትን ዝጠመተ ነይሩ።

ኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኮነ ንዓለም ዘናወፁ ማዕበላት ከምዘለው ብምሕባር ብፍላይ ሓድሽ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንስደተኛታት ዝምልከት ዝፈረምዎ ምምሕዳራዊ ትእዛዝ ዓለም ናብ ከቢድ ፈተና ትኣትው ከምዘላ ዝሕብር እዩ ኢለን።

“ብደረጃ ዓለም ናብ ኣዚዩ ማዕበል ዝበዝሖ ግዜ እናኣተና ንርከብ ከምዘለና ግልፂ እዩ።ንኣብነት ብንግዲ ባሪያ ካብ ኣህጉርና ብዙሓት ወገናትና ዝግዓዙላ ሃገር ሎሚ ካብ ገለ ሃገራትና ንዝተሰደዱ ኣፍሪካዊያን ክትመልሶም ወሲና’ላ።ብርግፅ እዚ ንሓድነትናን ነንሕድሕድና ምትሕግጋዝን ኣዚዮም ካብ ዝብድሁ ተግባራት ሓደ እዩ።”

እተን ተሳናባቲት ኣደመንበር ኣፍሪቃዊያን ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ 50 ዓመታት ኣጣይሸንኦ ዝነበራ ‘’ፓን ኣፍሪካን ውመን ኦርጋናይዘሽን’’ ንነፃነት ኣፍሪቃ ዘወፈዮ ኣበርኽቶ ዓብይን ደቂ ኣንስትዮ ግቡእ ኣፍልጦ ምሃብ ኣድላይነቱ ዝለዓለ ምዃኑን ነቶም መራሕቲ ገሊፀን ኣለዋ።

መብዛሕትኡ ህዝቢ ኣፍሪቃ መንእሰይ ምዃኑ ዝሓበራ ዶ/ር ደላሚኒ ዙማ እታ ኣህጉር ነዚ ሓይሊ ሰብ ብዝግባእ ብምምሃርን ናይ ሞያ ስልጠና ብምሃብን ከምኡ እውን ስራሕ ኣብ ምፍጣር መፃኢት ኣፍሪቃ ዝበለፀት፣ሓድነትን ሰላም ዝሰፈናን ኣህጉር ምግባር ከምዝክኣል ኣገንዚበን።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኖም ዝተተክኡ ናይ ጊኒ ፕረዝደንት ኣልፋ ኮንዴ እውን መፃኢ ዕድል መንእሰያት ኣፍሪቃ ኣብ ምውሳን ሓላፍነት መራሕቲ ኣፍሪቃ እዩ ኢሎም።

ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪቃ መደረ ዘስምዑ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ግጭታትን ቅልውላዋትን ኣቐዲምካ ናይ ምውጋድ ተግባር ምስ ኣፍሪቃ ብሓባር ንምስራሕ ከምዝደልዩ ገሊፆም።

“ዓለምና ቅልውላዋት ከይፍጠሩ ናብ ምክልኻል ክትሰጋገር ኣለዋ።ዓለም መብዛሕትኡ ግዜ ዝደንጎየን ዝወሓደን ምላሽ እዩ ዝህብ።ካብዚ ከመይ ክውፃእ ከምዝክኣል ምሳኹም ንምስራሕ ድልየት ኣለኒ።መብዛሕቲኦም ግጭታት ዓለም ውሽጣዊ እዮም።መንቀሊኦም እውን ቅድድም ስልጣንን ሃብትን፣ዘይማዕርነት፣ብምግላልን ምክፍፋልን እዩ።መብዛሕቲኦም ግጭታት ብሰንኪ ጥሩፋት ጉጅለታት ይባርዑ።”

ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ግጭታት ይሰርሓ ከምዘለዋ ዝገለፁ ንሶም ናይ ኣፍሪካ ናይ ሰላም ፀጥታን ከምኡ እውን ሰናይ ምሕደራ መምርሕታት ምድላዎም ብኣብነት ጠቒሶም ኣለው።

ኣፍሪቃ ትጻወቶ ብዛዕባ ዘላ ዓለምለኸ ተራ እውን ኣመስጊኖም ኣለው።ኣፍሪቃ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ዝበዝሕ ምውፋያ ከም ኣብነት ጠቒሶም።ስደተኛታት ኣብ ምቕባል ብዛዕባ ዘበርከተቶ እውን ምስ ናይ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ዝተኣሳሰረ ብዝመስል ከምዚ ኢሎም።

“ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መንጎ ብዙሓት ስደተኛታት ዘተኣናግዳ ለጋሳት ሃገራት እየን።ብዙሓት ዶባት ኣዚየን ናይ ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም ይዕፀው ኣበዘለውሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዶባት ኣፍሪካ ዕቑባ ንዝደለየ ኩሉ ክፉታት ኮይኖም ቀፂሎም ኣለው። “

ናይ ፍልስጤም ፕረዝደንት ማሕሙድ ዓባስን ናይ ኩባ ምኽትል ፕረዝደንትን ሎሚ መደረ ካብ መንጎ ዘስምዑ ይርከቡዎም።

ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪቃ ክሳብ ፅባሕ ከምዝቕፅል ተፈሊጡ’ሎ።ምርጫ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ትፅቢት ይግበር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG