ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ተታሒዞም ዝነበሩን ተሃድሶ ዝተኸታተሉን 11 ሽሕ ሰልጠንቲ ነጻ ወጺኦም


ethiopia map
ethiopia map

ብህውከትን ዕግርግርን ተጠርጢሮም ካብ ክልላት ኦሮሚያ፣ደቡብን ኣምሓራን ተታሒዞም ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ ልዕሊ 11 ሽሕ ሰልጠንቲ ትማሊ ከምዝወፁ መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ፀብፂበን።ተቓወምቲ ፓርትታት እታ ሃገር ግን ክንደይ ተኣሲሮም ክንደይከ ተሪፎም ንፈልጦ የብልናን ይብሉ’ለው።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ሰንቀሌ ኮሌጅ መሰልጠኒ ፖሊስ ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ ልዕሊ 3,800 ናብ ዘዝመፅሉ ምምላሶም ተገሊፁ’ሎ።እዚኦም ካብ ሰለስተ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ብህውከትን ዕግርግርን ተጠርጢሮም ዝተትሓዙ እዮም ተባሂሉ’ሎ።

5,600 ተጠርጠርቲ ካብ ጦላይ ማእኸል መሰልጥኒ ዝወፁ ክኾኑ ከለው ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኸቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኦሆዴው ኣቶ በክሪ ሻሌ ሰልጠንቲ ዘልዓሉዎም ሕቶታት ግቡእ’ኳ እንተኾነ ዘልዓልሉ መንገዲ ግን ምስ ሕገ መንግስቲ ዝገራጨው ብምዃኑ ነቲ ስልጠና ወሲዶም ኣለው ኢሎም።

ኣብ ክልል ብሄር፣ብሄረሰብን ህዝብታትን ደቡብ ይርጋለም ማእኸል ስልጠና ዝወሰዱ 1,383 ሰባት’ውን ነጻ ወፂኦም ኣለው።እዚኣቶም ኣብ ወረዳ ኮንሶን ዞባ ጌዶንን ኣብዝነበረ ህውከት ተሳቲፎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ እዮም።

ኣብ መጀመሪያ ዙር ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ 9,800 ተጠርጠርቲ ቅድሚ ሕጂ ምውፅኦም ይዝክር።

ቁፅሮም ንፁር ዘይኮነ ብገበን ክሕተቱ ዝተባህሉ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቦም መንግስቲ ገሊፁ’ሎ።ብህፁፅ ኣዋጅ ዝተኣስሩ 20 ሽሕ ሰባት ከምዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ቅድሚ ሕጂ ዝገለፁ ክኾኑ ከለው ተቓወምቲ ግን ምስዚ ኣይሰማምዑን።

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ መንግስቲ ሰልጠንቲ ኢሉ እንተፀውዖም እውን ብናትና ኣረዳድኣ እሱራት እዮም፤ምፍትሖም እውን ብፅቡቕ ንቕበሉ ኢሎም። ኣቶ ጥሩነህ ብተወሳኺ ’’ክንደይ ከምዝተኣስሩ ስለዘይንፈልጥን ዝተረፉ እውን ኣይንፈልጥ’’ ኢሎም ኣለው ።

ምኽትል ኣቦ መንበር መኢኣድ ኣቶ ሙሉጌታ ኣበበ ግን ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ኦሮሚያን ደቡብን ዝተኣስሩ ኣባላት ኣለውና ካብኦም ዝተፈትሐ የለን ኢሎም ኣለው።

ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ብወገኖም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተኣስሩ ኣባላት ውድቦም ምህላዎም ብምሕባር ኣብ ካልኣይ ዙር ክፍትሑ ትፅቢት ከምዝገብሩ ገሊፆም።እቶም ዝወፁ ኣብ ስልጠና ነይሮም ዝብሃል ግን ‘’ኣብ ማእሰርትን ስቓይን ዝነበሩ ሰባት ኣብ ስልጠና ነይሮም ምባል ኣብ ስቓይ ንዝነበሩ ዜጋታትና ከም ምሕጫጭ ኢና ንሪኦ’’ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG