ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ 11 ተቓወምቲ ፓርትታት ምስ ኢህወዴግ ዝላዘብሉ ነጥብታት ኣቕሪቦም


ኣብ መንጎ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግን ተቓወምቲ ፓርትታትን ንዝኻየድ ልዝብ መበገሲ ኣኼባ 8 ለካቲት 2009 ዓ.ም ምፅውዑ ተፈሊጡ።ኣብቲ ምስ ኢህወዴግ ዝካየድ ልዝብ ተቓውምቲ ፓርትታት ሓደ መርገፂ ሒዞም ክቐርቡ ሎሚ መግለፂ ዝሃቡ 11 ፓርትታት ብዛዕባ’ቲ ልዝብ ዘለዎም ተስፍ ገሊፆም።ኣካይዳ እቲ ኣኼባ ብልዝብ ከምዝውሰን ወሃቢ ቃል ኢህወዴግ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግን 21 ተቓወምቲ ፓርትታትን ናይ ልዝብ ሓሳብ ኣብ ምቕራብ ይርከቡ።ስነስርዓት እቲ ኣኼባ፣ነቲ መድረኽ መን ይምርሓዮ፣ጉዳይ ተዓዘብቲ እንታይ ክኸውን ኣለዎ፣ንመራኸቢ ብዙሃን ዝውሃብ መግለፂ እንታይ ክመስል ኣለዎ ኣብ ዝብሉ ኣርባዕተ ነጥብታት ፓርትታት ናይ ፅሑፍ ርእይቶታት ኣብ ምቕራብ ይርከቡ።

መኢኣድ፣ኢዴፓን ሰማያዊ ፓርትታትን ዝርከቡዎም ሽዱሽተ ተቓወምቲ ፓርትታት ብሓባር ርእይትኦም ኣቕሪቦም ኣለው።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ውድብ ቅንጅት ንሓድነትትን ዴሞክራስን ዝተኣከቡ ካልኦት 11 ተቓወምቲ ውድባት እውን ርእይቶታቶም ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምቕራቦም ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሊጦም።

ኣተሓባባሪ ምትእኽኻብ ናይቶም 11 ፓርትታትን ኣቦ መንበር ፓርቲ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ትእግስቱ ኣወሉ 21 ፓርትታት ናብ ክልተን ሰለስተን ምትእኽኻቦም ፅቡቕ ምጅማር እዩ፤ንዝበለፀ ምቅርራብ እውን ፃዕሪ ክገብር እዩ ኢሎም።

ተቓወምቲ ፓርትታት ኣብ መንጉኦም ዘሎ ኣፈላላይ ኣብ ዘይፀበበሉ እዋን እዮም ናብ ልዝብ ዝቐርቡ ዘለው።ሎሚ መግለፂ ዝሃቡ ፓርትታት ካብ ናብ ተቓወምቲ ናብ ኢህወዴግ ዝቐርቡ እዮም ንዝብል ነቐፌታ መልሲ ዝሃቡ ኣቶ ትእግስቱ ብተዘዋዋሪ ይኹን ብቀጥታ ካብ ምጥቕቓን ነፃ ዝኾነ ዋላ ሓደ ፓርቲ የለን፤ብምጥቕቓን እውን ዝዕወት የለን ኢሎም።

ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ንልዝብ ይዳሎ ከምዘሎ ንድምጺ ኣሜሪካ መግለፂ ዝሃቡ ሓላፊ ህዝባዊ ርኽባትን ወፃኢን ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣቶ ፈቃዱ ተሰማ ውድቦም ዝተማልአ ድልየትን ድልውነትን ኣለዎ ኢሎም።ካብ ፓርትታት ጥራሕ ከይኮነስ ምስ ኣባልት ሲቪል ማሕበረሰባትን ምሁራን ከምኡ እውን ብሕጋውን ሰላማውን ሓሳቦም ዘሰጉሙ ካልኦት ወገናት ልዝብ፣ዝርርብን ክትዕን ንምክያድ ድልዊ እዩ ኢሎም።

ኢህወዴግ እውን ከም ካልኦት ፓርትታት ኣብ ስነስርዓት ኣኼባ ዘለዎ ርእይቶ ዝገልፅ ደብዳቤ ንምቕራብ ኣብ ምድላው ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም።

ገዛኢ ፓርትን ተቓወምትን ዝቕፅል ሰሙን 8 ለካቲት 2009 ዓ.ም ዳግም ንልዝብ ከምዝራኸቡ መፀዋዕታ ዝቐረበሎም ፖለቲካ ፓርትታት ኣረጋጊፆም ኣለው።ቀንዲ ልዝብ ዝጀመረሉ ድሕሪ እቲ ዝቕፅል ኣኼባ ክኸውን ተስፋ ተጌርሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኢትዮጵያ፡ 11 ተቓወምቲ ፓርትታት ምስ ኢህወዴግ ዝላዘብሉ ነጥብታት ኣቕሪቦም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:52 0:00

XS
SM
MD
LG