ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሽዱሽተ ተቓወምቲ ፓርትታት ኢትዮጵያ ምስ ገዛኢ ፓርቲ ንዝኻየድ ልዝብ ኣማራጺ ዝበልዎ ሃሳብ ምቕራቦም ተፈሊጡ


የኢትዮጵያ ካርታ
የኢትዮጵያ ካርታ

ሽዱሽተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኢህወዴግን ተቓወምቲ ፓርታትን ንዝካየድ ልዝብ መማረፂ ሓሳብ ንመንግስቲ ምቕራቦ ኣፍሊጦም።

እዞም ውድባት ምስ ገዛኢ ፓርቲ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ብሓባር ክሰርሑ ንኻልኦት ተቓወምቲ ፓርትታት እውን ጻዊዒት ኣቕሪቦም ኣለው።

ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ፣ ውድብ መላእ ሓድነት ኢትዮጵያ ፣መላእ ኢትዮጵያዊያን ዴሞክራሲውያዊ ውድብ፣ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ሓድነት ፓርቲ፣ናይ ኢትዮጵያ ራኢ ፓርትን ሰማያዊ ፓርትን ሎሚ ኣብ ዘውፅእዎ ሓባራዊ መግለፂ ትፅቢት ንዝግበረሉ ልዝብ ዕውት ክኸውን ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣበርክቶ ክገብሩ የተሓሳስብ።

መግለxi እዞም ውድባት ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ነይሩ ዝበልዎ ህዝባዊ ተቓውሞ ዘሕለፎም መልእኽቲ እቲ ስርዓት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ውልቀመላኺ ስርዓት ምዃኑ እዩ በዚ ምኽንያት እውን እታ ሃገር ኣብ ኣዚዩ ዝለዓለ ናይ ህልውና ስግኣት ወዲቓ ነይራ ይብል።

እቲ ልዝብ ውጽኢታዊ ንክኸውን ካልኦት ተቓወምቲ እውን ብሓባር ክሰርሑ ዋና ፀሓፊ መኢኣድ ኣቶ ኣዳነ ጥላሁን ፀዊዖም።

መንግስቲ ምሳና ልዝብ ንምክያድ ምድላዩ ውፅኢት ናይ ነካይዶ ዘለና ቓልሲ እዩ ዝበሉ ናይ መኢኣድ ፕረዝደንት ዶ/ር በዛብህ ደምሴ ናይ ህዝቢ ደገፍ ኣለና ኢሎም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG