ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ህፁፅ ኣዋጅ፣ብዕምቀት ምህዳስ፣ምሽግሻግን ምብራርን ሰበስልጣን መንግስቲ(ክትዕ) - 1ይ ኽፋል


ኣቶ ኣብርሃ ሃይለዝጊ( ጸጋም)፡ ጋዜጠኛ ኣታክልቲ እምባየ( ማእኸል)ን ኣቶ ኣማኑኤል ገብረትንሳኤ (የማን)
ኣቶ ኣብርሃ ሃይለዝጊ( ጸጋም)፡ ጋዜጠኛ ኣታክልቲ እምባየ( ማእኸል)ን ኣቶ ኣማኑኤል ገብረትንሳኤ (የማን)

ኢትዮጵያ ሎሚ ዘላትሉ ኩነታት ርእይትኦም ክህቡ ዝተሓተቱ ጋዜጠኛ ኣታኽልቲ እምባየ፣ኣቶ ኣማኑኤል ገብረትንሳኤን ኣቶ ኣብርሃ ሃይለዝጊን ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ኣለዎም።

ቅድም ክብል ዋና ኣዘናዳኢ ጋዜጣ ወይን ዝነበረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ‘ፍኖተ ትንሳኤ ናይ ሚዲያን ሕትመትን ኤጀንሲ’ ዝብል ትካል ኣጣይሹ ‘ፍኖተ ሰሜን’ ዘርእስታ ወርሓዊት መፅሄት ዘሐትም ዘሎ ዜጠኛ ኣታኽልቲ እምባየ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ሰናይ ምሕደራ እዩ ኣብ ዝብል ተመሳሳሊ ኣረዳድኣን ገምጋምን ዋላ እንተሃለዎም እውን ኣብ ኣፈታትሓ ግን ክፍተት ኣሎ ይብል።

"ብህፁፅ ኣዋጅ ግዜ ሃገር ክተመሓድር ኣይትኽእልን" ዝበለ ጋዜጠኛ ኣታኽልቲ ቅድሚ ኩሉ ንህፁፅ ኣዋጅ ምኽንያት ዝኾነ ናይ ግዕዝይናን ፀገም ሰናይ ምሕደራን ኔት ዎርክ ወይ ሰንሰለት ከይበተኽካ ንገለ ሰበስልጣን ብምልዓል ኣይፍታሕን ይብል።

ምኽትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ‘ኻዛ ካፒታል ጉድ ፋይናንስ’ ናይ ዝተባህለ ናይ ትእምት ኩባኒያ ምክራይ ማሽነሪ ኣቶ ኣማኑኤል ገብረትንሳኤ መንግስትን ውድብን ንፀገም ሰናይ ምሕደራ ብዝግባእ ተረዲኦም ውሽጣዊ ፀገም መንግስቲ እናፈትሑ ንሰበስልጣን መንግስቲ እናሸጋሸጉን እናባረሩን የመዓራርዩዎ ኣለው ይብሉ።

ብምውሳኽ ሳላ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ እታ ሃገር ኣብዘተኣማምን ሰላም ኣላ ይብሉ።

ቅድም ክብል ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ መምህር ዝነበረ ኣብ ሕዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዶክትሬት ድግሪ ትምህርቱ ኣብ ምክትታል ዝርከብ ኣቶ ኣብርሃ ሃይለዝጊ ‘ኢትዮጵያ ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛ ደረጃ እያ ትርከብ’ይብል።

ብህፁፅ ኣዋጅ ግዜ እቲ ዕግርግር ደው ኢሉ ኣንፃራዊ ሰላም ክፍጠር እንተኸኣለን እውን ፍፁም ሰላም ተፈጢሩ ማለት ክብሃል ኣይክኣልን ይብል።’

"ኣእማን ምድርባይ ንግዚኡ ስለ ዘየለ ሰላም ኣሎ ናብ ዘብል መደምደምታ ምኻድ ንባዕልኻ ምትዕሽሻው እዩ"ኢሉ።ብዛዕባ ብዕምቆት ምህዳስ፣ምሽግሻግን ምብራርን ሰበስልጣን መንግስቲ ከምኡ እውን መፍትሒ ሓሳባትን ርእይትኦም ሂቦም ኣለው።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

ክትዕ ኣብ ኩነተ ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:30 0:00

XS
SM
MD
LG