እቶም ኣቦ መንበር ብተወሳኺ ምስ ኢህወዴግ ንምልዛብ ኣብ ምድላው ንርከብ ኣለና ይብሉ።
እቲ ፓርቲ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ነቲ ፓርቲ ዝመርሑ ኢንጅነር ይልቃል ጌትነት ኣቶ የሺዋስ ዝተመርፁ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ እዩ ብዝብል ካልእ ጉጅለ መስሪቶም ኣለው።
ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ካሳንቺስ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈቶም ንሶምን ካልኦት መሳርሕቶምን ኣብ ስራሕ እናሃለው ‘ዘይንፈልጦም ሰባት ብእንፈልጦም’’ እናተመርሑ መፂኦም ኣጥቒዖምና ኢሎም።እቶም ዘይፈልጡዎም ሰባት ናብኦም ቅርብ ኢሎም ስለምንታይ ኢኻ ንምልዛብ ቅድመ ኩነት ተቐምጥ ዘለኻ ኢሎም ሕቶ ብምቕራብ ሽዑ ንሽዑ ብቕፅበት መውቃዕቲ ከምዝጀመሩ ይገልፁ።
“ናባይ ዝመፁ ክልተ እዮም፤ካልእ ሓደ ሰብ ተወሲኹ ሰለስቲኦም ክወቕዑኒ ጀሚሮም።ናብ ደገ ምስርኣኹ ድማ ንሓላፊ ቤት ፅሕፈተና እውን ይቕጥቅጡዎ ነይሮም፤ብፍላይ ሓላፊ ውዳበና ኣዚዩ እዪ ተጎዲኡ፤ሕዚ እውን ኣብ ሆስፒታል እዩ ዘሎ።ዋርዲያ እውን ተወቒዑ እዩ።”
እቲ ማህረምቲ ብበትሪ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣቶ የሺዋስ ሓደ ካብኦም ብረት ዝተዓጠቐ ምዃኑ ሓቢሮም።ፖሊስ ምስ መፀ ብሓፁር ዘሊሎም ከምዝሃደሙ ብምግላፅ ዝተዓደጉ ድዮም ወይስ ኣባላት ደሕንነት እዮም ዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ ኣይፈለጥናን ዘለና ኢሎም።
ካብ ፖሊስ ይኹን ካብ ኢንጅነር ይልቃል መብርሂን ርእይቶን ንምርካብ ዝተኻየደ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።