ነዚ ብዝምልከት ሰማያዊ ፓርቲ ምትእምማን ንምፍጣር ኣገደስቲ እዮም ዝበሎም ምፍታሕ ዝታአስሩ መራሕትን ኣባላትን ተቓወምቲ ከምኡ እውን ምልዓል ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ቀዳምነት ዝውሃቦም እዩ ኢሉ’ሎ። ብተወሳኺ ኤምባሲ ኖርወይ ንመንግስትን ሕጋዊ ተቓወምትን ምዝርራብ ዝተለምደ እዩ ኢሉ’ሎ።
ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ኤምባሲ ኖርዌይ ብዛዕባ ተሳትፎ ፓርቶም ዝርዝር ሓበሬታ ምስ ኣቦ መንበርን ሓላፊ ጉዳያት ወፃእን ሰማያዊ ፓርቲ ክዘራረብ ከምዝደልን ቅድሚ ሓደ ሰሙን ሕቶ ከምዘቕረበ ገሊፆም።
ብዛዕባ ምስ ሰማያዊ ፓርቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ዝተሓተተ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኖርዌይ ብፅሑፍ ኣብዝሃቦ መልሲ እዚ ጉዳይ ሓድሽ ተበግሶ ዘይኮነስ ሓደ ኣካል ስሩዕ ስራሕ እቲ ኤምባሲ ዝኾነ ምስ መንግስትን ዝተመዝገቡ ተቓወምቲ ውድባትን ዝካየድ ዝርርብ እዩ ኢሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምቲ ውድባትን ንመጻኢ ልዝብ ክካየድ ከምዝተወሰነን ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴህን ተቓወምትን ምድላው ኣብ ምኽያድ ከምዘለው ምፅብፃብና ይፍለጥ።
ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።