ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ብዘጋጠመ ደርቂ ሕጽረት መግቢ፡ ማይን ጸገም ቀለብ እንሰሳ ምስዓቡ ተሓቢሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቂ ሕፅረት መግቢ፣ዝስተ ማይን ፀገም ቀለብ እንስሳትን ከምዘጋጠመ፣ እንስሳት ምሟት ከምዝጀመራን ኣሽሓት ተማሃሮ ትምህርቶም ከምዘቋረፁን ነበርቲ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 5.6 ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ናይ መግቢ ረድኤት ከምዘድልዮምን ህልቂት እንስሳት ንምምካትን ተማሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቶም ንምምላስ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ምምጋብ ከምዝተጀመረን ኮሚሽነር ሃገራዊ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ምትኩ ካሳ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ሶማልያ፣ኣምሓራ፣ደቡብን ዓፋርን ብዘጋጠመ ደርቂ 5.6 ሚሊዮን ህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮን መንግስትን ትካላት ረድኤትን ገሊፆም።እቲ ዝኸፍአ ድማ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረናን ጉጂን ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ጉዳያት ረድኤት ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብዘውፅኦ ፀብፃብ ኣብ ዞባ ቦረና ዝተኸሰተ ድርቂ ዝኸፍአ ብምዃኑ እንስሳት ምሟት ጀሚረን ኣለዋ።ኣብ ክልል ሶማሊያ እንስሳት ዘርብሑ ከባቢታት እውን ናይ ማይን መግብን ሕፅረት ከምዘጋጠሞም ይሕብር።

ኣብ ዞባ ቦረና ወረዳ ድብሉቅ ነባሪን ኣቦ ሓሙሽተ ቆልዑት ዝኾኑ ኣቶ ጉዩ ሃለኬ ኣብቲ ከባቢ ናይ ማይ ሕፅረት ስለዘጋጠመ ዝለዓለ ድርቂ ከምዘሎን ከብቲ ምሟት ምጅማረን ይዛረቡ።

መንግስትን ትካላት ረድኤትን ዝስተ ማይ የቕርቡ ከምዘለውን ተማሃሮ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ እናተመገቡ ይቕፅሉ ከምዘለውን ኣቶ ጉዩ ወሲኾም ሓቢሮም።

ካብ ፍርቂ መስከረም ክሳብ ሕዳር ክወቅዕ ትፅቢት ዝተገበረሉ ዝናብ ብዘይምውቕዑ እቲ ፀገም ከምዝተፈጥረ ዝገለጹ ኣቶ ምትኩ ካብዚ ዝኸፍአ ሓደጋ ከይበፅሕ ናይ ማይን መግብን ሓገዝ ይቐርብ ከምዘሎ ገሊፆም።947 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘድሊ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

እተን እንስሳት ናብ ዕዳጋ ብምውፃእን ድኽም ዝበላ ብምዕዳግን መሊስኻ ብቛንጣ መልክዕ ብሓገዝ ምቕራብ ከምኡ እውን ዋጋ ዘውፅኣ እንስሳት ሚኒስትር ሃብቲ እንስሳትን ዓሳን ምስ ናይ ክልል ቢሮ ሃብቲ እንሰሳን ዓሳን ናብ መሸጣ ብምቕራብ ይሰርሑ ኣለው ኢሎም።

ናይ 2009 ዓ.ም እዋን ትምህርቲ ምስ ተጀመረ ብሰንኪ ድርቂ ኣብ ዞባታት ቦረናን ጉጅን 141 ኣብያተ ትምህርቲ ክዕፀው ከለው 47 ሽሕ ተማሃሮ ድማ ትምህርቲ ኣቋሪፆም ከምዝነበሩን ኣብ ክልል ሶማሊያ ድማ 442 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓፂዮም ከምዝነበሩን ተገሊፁ’ሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ቦረናን ጉጂን 36 ሚእታዊት፣ኣብ ሶማሊያ 29 ሚእታዊት፣ኣብ ክልል ኣምሓራ 11 ሚእታዊት፣ኣብ ደቡብ 8 ሚእታዊት ከምኡ እውን ኣብ ክልል ዓፋር 7 ሚእታዊት ከባቢታት ብድርቂ ተጠቒዑ’ሎ።ብጠቕላላ 5.6 ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ረድኤት መግቢ የድልዮ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃዲ ረድኤት ኦቻ ነቲ ድርቂ ንምምካት ሓገዝ ክርከብ ኣለዎ ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ጉዳያት ረድኤት ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG