ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ደርቂ ንምምካት ዝተሓተተ ሓደ ቢልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከምዘይተረኽበ ተሓቢሩ


ፋይል - ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ሃገራዊ ስግኣት ምትኩ ካሳ
ፋይል - ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ሃገራዊ ስግኣት ምትኩ ካሳ

ኣብ ኢትዮጵያ ሓሙሽተ ክልላት ዘጋጠመ ደርቂ ንምምካትን ን5.6 ሚሊዮን ህዝቢ ረድኤት መግቢ ንምቕራብን ካብ ዝተሓተተ ናይ ሓደ ቢሊዮን ዶላር ረድኤት ዛጊት ምንም ከምዘይተረኽበ ኮሚሽን ሃገራዊ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጦም። ንሶም ብተወሳኪ ገንዘብ እንተድኣ ዘይተረኺቡ መንግስቲ ምስ ሰብ ሃብትን ሕብረተሰብን ብምትሕብባር ክሽፍኖ ምኻኑ ኣፍሊጦም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ሃገራዊ ስግኣት ምትኩ ካሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስትን መሻርኽቱን ወግዓዊ ኣብ ዝገበሩዎ ኣሃዝ ኣስታት 5.6 ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ረድኤት መግቢ የድልዮም።ነዚ ንምምካት ሓደ ቢሊዮን ዶላር ረድኤት ከምዘድሊ እውን ፃውዒት ቀሪቡ ነይሩ።

“እቲ ዘድሊ ሓገዝ 948 ሚሊዮን ዶላር እዩ።ክሳብ ሕዚ ዝተረኽበ ገንዘብ የለን።መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምቲ ዝሓለፈ ዓመት 2016 ዝገበሮ መሪሕነት ብምውሳድ 1 ቢሊዮንን 89 ሚሊዮንን ብር መዲቡ ናይ መግብን ካልኦት ነገራይ ኣብ ምቕራብ ይርከብ።”

ኣቶ ምትኩ ካሳ ካብ ኩለን ክልላትን 192 ወረዳታት ንግዚኡ ህፁፅ ረድኤት ዘድልዮም “ትኹረት ሓደ” ብዝብል ተፈሊዮም ካብ ፌደራልን ክልላዊ መንግስታትን ብዝተኣከበ ገንዘብ ይሕገዙ ከምዘለው ገሊፆም።

እቲ ደርቂ ዝለዓለ እንተድኣ ኮይኑን ትፅቢት ዝተገበረሉ ገንዘብ ካብ ሓገዝቲ እንተድኣ ዘይተረኺቡን መንግስቲ ንሕብረተሰብን ናይ ውልቂ ሰብ ሃብትን ኣተሓባቢሩ ክሽፍኖ እዩ ኢሎም።

በቲ ደርቂ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ሓሙሽተ ክልላት እየን።ደቡባዊ ምብራቕ ክልል ሶማሊያ፣ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ቦረና፣ጉጂ፣ባሌን ምብራቕ ሃረርጌን፣ኣብ ደቡብ ብሄርን ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ደቡብ ኦሞ፣ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፈ ምስ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅን ምቁርራፅ ዝናብን ኣብ ሰሜን ሸዋ፣ዋግ ህምራ፣ከምኡ እውን ክልል ዓፋር እየን።

ኣብዞም ከባቢታት ዝለዓለ ጉድኣት ዝበፅሐ ሞት እንስሳት ምዃኑን ክሳብ ሕዚ ግን ህይወት ሰብ ከምዘይጠፍአ ነበርቲ ገሊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG