ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ህፁፅ ኣዋጅ፣ብዕምቀት ምህዳስ፣ምሽግሻግን ምብራርን ሰበስልጣን መንግስቲ(ክትዕ) - 3ይ ኽፋል


ዋሽንግተን — መንግስቲ ኢትዮጵያ የካይዶ ምስ ዘሎ ተሃድሶን ገምጋምን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሰበስልጣን መንግስቲ ስጉምታት ይውሰድ ከምዘሎ ይግልፅ ኣሎ።ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ክልላት ኣምሓራ፣ኦሮሚያን ትግራይን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኣመራርሓ መንግስቲ ናይ ምሽግሻግ፣መጠንቀቕታ፤ምብራርን ናይ ምኽሳስን ስጉምትትታ ይውሰድ ክምዘሎ መራኸቢ ብዙሃንን ሰበስልጣንን ይገልፁ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ 640 ኣባላት ኣመራርሓ ስጉምቲ ከምዝተወስደ ብመራኸቢ ብዙሃን ተገሊፁ’ሎ።እቶም ስጉምቲ ዝተወስዶም እንመንን ካብ ኣየናይ ናይ ምምሕዳር መሓውርን ምዃኖም ግን ንፁር ኣይኮነን።

’’እቲ ኣገዳሲ ነገር በዝሕን መንነትን ስጉምቲ ዝተወስዶም ኣባላት ኣመራርሓ ከይኮነስ ኣብ ልዕሊኦም ስጉምቲ ብምውሳዱ እቲ ሃዲድ ተዓሪዩዶ ዝብል እዩ’’ ይብል ወናኒ ‘’ፍኖተ ትንሳኤ ናይ ሚዲያን ሕትመትን ኤጀንሲ’’ጋዜጠኛ ኣታኽልቲ እምባየ።

እቲ ገምጋም ካብ ፖሊት ቢሮ ጀሚሩ ክሳብ ናይቲ ክልል ዝለዓለ ኣመራርሓን ዝተሓተ ኣካልን ክልተ ኣዋርሕ ዝወድአ ዓሚቕ ገምጋም ብምክያድ ካብ መጠንቀቕታ ክሳብ ካብ ኣባልነት ምብራር ከምኡ እውን ብሕጊ ዝሕተት እንተሃሊዩ ድማ ክሕተት ዝተግብረሉ መስርሕ እዩ ይብል ምኽትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኩባኒያ ‘ኻዛ ካፒታል ጉድ ፋይናንስ’ ኣቶ ኣማኑኤል ገብረትንሳኤ።እዞም 640 ዝብሃሉ ዘለው በዚ መስርሕ ዝሓለፉ ካብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ክሳብ ተራ ኣባል ከምዝሓቁፍ እውይ ይገልፅል።

ቅድም ክብል ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ መምህር ዝነበረ ኣብ ሕዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዶክትሬት ድግሪ ትምህርቱ ኣብ ምክትታል ዝርከብ ኣቶ ኣብርሃ ሃይለዝጊ ግን መንግስቲ እቲ ሽግር ኣብ ላዕሊ ናይቲ መሪሕነት ከምዘሎ ኣሚኑ እናገለፀ ፀኒሑ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዝተሓተተ ዝፍለጥ ሰብ ዘይምርኣዩ ይገልፅ።እዞም ስጉምቲ ተወሲዱዎም ዝብሃሉ ዘለው 640 ሰባት ማንም ክረኽቦም ዘይኽል ኣብታሕቲ ናይ ምምሕዳር ብርኪ ብትርኪ ምርኪ ዝሕተቱ ዘለው እዮም፤ነዚ እውን እቲ ዝካየድ ዘሎ ተሃድሶ ባጫ እዩ ዝብሎ ዘለኹ ይብል።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

ክትዕ ኣብ ኩነተ ኢትዮጵያ 3ይ ኽፋል
please wait

No media source currently available

0:00 0:13:37 0:00

XS
SM
MD
LG