ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት ሃገራት የመን ኣንጸላልይዋ ዘሎ ሓደጋ ዓጸቦ ንምኽልኻል ናይ 2.1 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ


ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሓደጋ ዓፀቦ ኣንጸላሊይዎም ዘሎ የመን ህይወት ንምድሓን ናይ 2.1 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ምሕፅንታ ኣቕሪቡ።

ሕቡራት ሃገራት እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ግን ኸአ ኣብ ዓለም ዝተረስዐ ኣብ የመን'ዩ ይብል።ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ናይ 2.1 ቢሊዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ፃውዒት ካብ ዘቕርብ ዛጊድ ዝተረኽበ 15 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ኢሉ’ሎ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ገንዘብ ኣብታ ሃገር ይወርድ ንዘሎ ከቢድ ሓደጋ እኹል ኣይኮነን ይብሉ።የመን ካብ ዓለም ዝኸፍአ ቅልውላው ጥምየት አጋጢምዋ’ሎ።17 ሚሊዮን ሰባት ብጥምየት፣ሸውዓተ ሚሊዮን ድማ ዓፀቦ ዝተጠቕዑ እዮም።

ጉተረስ ብተወሳኺ ኣስታት ክልተ ሲሶ ካብ ህዝቢ የመን ኣስታት 19 ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ ይብሉ ።

ህይወት ንምድሓን ዓለም ስጉምቲ እንተድኣ ዘይወሲዳ ወለዶ ከምዘሎ ብዓፀቦ ማሲኑ ክለምስ ከሎ ክትርኢ እያ ክብሉ ጉተረስ ኣጠንቂቖም።

ኣብ የመን ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ከምዝኾኑ ሕቡራት ሃገራት ይግምት።ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ሕድ ሕድ ንቁጠባ የመን ኣዕኒዩ፣ንትካላት ጥዕና ኣብሪሱ፣ንመሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣልሚሱ ሚሊዮናት ንሓደጋ ሕማምን ካልኦት ስግኣታትን ተቓሊዑ ይርከብ ይብል ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG