ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ኣብ ሶማል ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ሰባት ንምድሓን 24.6 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ


ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት/IOM/ ኣብ ሶማል ህይወት ብድርቂ ዝተጠቕዑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ንምድሓን 24.6 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ።

ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ሎሚ ኣብ ሶማል ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ርብዒ ሚሊዮን ሰባት ምስ ዝቐተለ ናይ 2011 ዓ.ም ዓፀቦ ብምምስሳል ስግኣቶም ይገልፁ።

ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት/IOM/ እቲ ናይ ሎሚ ድርቂ ዝኸፍእ ክኸውን ከምዝኽእል የጠንቅቕ ኣሎ።

ወሃቢት ቃል እዚ ትካል ብድርቂ ካብ ዝተጠቕዑ 6.2 ሚሊዮን ሰባት ንልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሶማልያዊያን ክሳብ ወርሒ ሰነ ንምሕጋዝ ዓሊሙ’ሎ።ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታትን ካልኦት ትካላት ረድኤትን ሰባት ብጥምየት ከይሞቱ ንምክልኻል ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ስርሒታት ሰብኣዊ ሓገዝ ወሲኾም ኣለው ኢለን።

ካብ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ሓገዝ ከይተረኸብ ነዚ ድርቂ ንምምካት ኣይክኣልን ዝበላ ወሃቢት ቃል ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ቀዳምነት ዝውሃቦ ረድኤት መግቢ፣ማይ፣ፅረየት፣ጥዕና፣ኣመጋግባ፣ሓለዋን መፅለልን እዩ ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG