ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢህወዴግ ምስ 21 ፓርትታት ኣብ ዘካየዶ ልዝብ መድረክ ዘቕረቦ ሕቶ ኣወንታዊ መልሲ እንተዘይረኺቡ ካብቲ ልዝብ ከምዝወጽእ ኣጠንቒቑ


ፕሮፌ. በየነ ፄጥሮድ
ፕሮፌ. በየነ ፄጥሮድ

ኣብ መንጎ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያን ተቓወምቲ ውድባትን ኣብ ዝካየድ መስርሕ ልዝብ ዘቐረቡ ሕቶታት ኣወንታዊ ምላሽ እንተድኣ ዘይረኺቦም እቲ ዝርርብ ከቋርፁዎ ከምዝኽእሉ ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ገሊፆም።

ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ 22 ፓርትታት ኣብ ዝሳተፍሉ ልዝብ መድረኽ ዋና ተላዛባይ ኮይኑ ክቐርብ እንተዘይኮኑ ድማ ጎኒ ንጎኒ በይኑ ምስ ገዛኢ ፓርቲ ንምልዛብ ሕቶ ኣቕሪቡ’ሎ ኢሎም።

ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግን 21 ናይ ውሽጢ ሃገር ተቃወምቲ ፓርትታትን ንመላዘቢ ኣብ ዝቐረበ ሰነድ ዝተቐመጡ ክልተ ነጥብታት መዕለቢ ኣይረኸቡን።ነቲ ልዝብ መን ይምርሓዮ ዝብል ኮይኑ እቶም 20 ፓርትታት ካብኦም ወፃኢ ብዝኾነ ብስምምዕ ብዝምረፅ ገልለተኛ ኣደራዳሪ ክምርሓ ክሓቱ ከለው ገዛኢ ፓርቲ ብወገኑ እቲ ልዝብ 21 ፓርትታት በብተራ ክመርሕዎ ይደሊ።

መዕለቢ ዘይተገበረሉ ካልእ ነጥቢ ኸኣ 21 ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝንቀሳቀሳ ፓርትታት ብከመይ ይወከላ ዝብል እዩ።

21 ፓርትታት ብማዕረ ውክልና ከም ቀንዲ ተላዘብቲ ክቕፅሉ ኣለዎም ዝብል ብዘይካ መድረኽ ኩሎም ተቐቢሎምዎ ኣለው።ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ መድረኽ ነዚ ስለዘይተቐበሎ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ከይተወሰነ ተሪፉ።

ብባይቶ ዝካየድ ልዝብ ውፅኢት ኣየምፅእን ዝበሉ ኣቦ መንበር መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ድልየት ፓርቶም 20 ፓርትታት ዝርከብሉ ከይኮነስ ምስ ገዛኢ ፓርትን መንግስትን ንበይኑ ምልዛብ እዩ ኢሎም።ኢህወዴግ ምስ ካልኦት ፓርትታት እናተላዘበ ጎኒ ንጎኒ ምሳና ክላዘብ ከምዝኽእል ቃል ኣትዩልና ነይሩ ይብሉ።

መድረኽ ዘቕረቦ ካልእ ኣማራጺ ድማ መድረኽ ንኻልኦት 20 ፓርትታት ብምውካልን ብኩሎም ፓርታት ዝተቐረፀ ኣጀንዳ ብምሓዝን ዋና ተላዛባይ ክኸውን ዝብል እዩ ኢሎም።

ዋና ተላዛባይ ንምዃን ወይ ጎኒ ንጎኒ ምስ ገዛኢ ፓርቲ ንምልዛብ ዘቕረቡዎም ሕቶታት ኣወንታዊ ምላሽ እንተድኣ ዘይረኺቡ ነቲ ዝርርብ ከቋርፅዎ ከምዝኽእሉ ሓቢሮም ኣለው።

ገዛኢ ፓርትን 21 ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝንቀሳቀሱ ፓርትታትን ኣብ ናይ ቅድመ ልዝብ ሰነድ ንምዝርራብ 20 መጋቢት 2009 ዓ.ም. ክራኸቡ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG