ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢሕወዴግ ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምቲ ፓርትታት ንምልዛብ ዝወሰነ ብተጽዕኖ ህዝቢ እዩ ይብሉ ተቓወምቲ ፓርትታት


ፋይል
ፋይል

ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ(ኢሕወዴግ) ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምቲ ፓርትታት ንምልዛብ ዝወሰኑ ብፍርሕን ተፅዕኖ ሓይልታት ወፃኢን ኣይኮነን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንፓርላማ’ታ ሃገር ኣብ ዘቕረብዎ ሪፖርት ገሊጾም።ተቓወምቲ ብወገኖም መንግስትን ገዛኢ ፓርትን ንምልዛብ ዝወሰኑ ብህዝባዊ ተፅዕኖ እዩ ኢሎም ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፀብፃብ መንግስቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንፓርላማ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ገለ ተቓወምቲ ኣብ ቅድመ ልዝብ ኣብ ዝነበረ ምይይጥ ዘቕረቡዎ ዝተጋገየ መርገፂ ነቲ መስርሕ ዕንቅፋት ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ሓዲሩኒ’ሎ ኢሎም።

“ገሊኦም ገዛኢ ፓርትን መንግስትን ናብዚ ልዝብ ክኣትው ዝወሰኑ ካብ ፍርሒ ዝነቐለ እዩ ይብሉ።ገሊኦም ድማ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ስለዝደፍኡዎም እዮም ዝብል ዝንቡዕ ኣመለኻኽታ የንፀባርቑ ኣለው።ክልቲኦም ኣረኣእያታት ግጉያት ምዃኖም ኣስሚረ ብምግላፅ፣ናትና መንቀሊ ዓሚቕ ተሃድሶና ጠመተ ካብ መንጎ ዝገበረሎም ሓደ ህንፀት ስርዓተ ዴሞክራሲ ብምዃኑን ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ብዙሕነት ፓርትታት ድማ ውድባት ተቐራሪቦም ኣብ ዘሰማምዕዎም ጉዳያት ብሓባር ብምስራሕ እቲ ሃውህው ከስፍሑ፣ኣብ ዘይሰማምዕሉም ጉዳያት ድማ ዳኛ ንዝኾነ ህዝብና ፍርዱ ንክህብ ንምግባር እዩ።”

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብተወሳኺ ዘይንኣምነሉ ጉዳይ ብተፅዕኖ ዋላ ሓደ ከምዘይንፍፅም ዓለም ዝፈልጦ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ን21 ናይ ውሽጢ ሃገር ፓርትታት ደብዳቤ ዝፀሓፈን ኣብ መስርሕ ንዝርከብ ልዝብ ተበግሶ ዝወሰደ ኢህወዴግ ምዃኑ ዝኣመኑ ተቓወምቲ ፓርትታት ግን እቲ ስጉምቲ ዝተወሰደ ብሰንኪ ካብ ህዝቢ ዝመፀ ድፍኢት እዩ ይብሉ።

ብዋንነት ናይ ወፃኢ ሓይሊ ተፅዕኖን ፍርሕን ዘበገሶ እዩ ዝብል ኣረኣእያ የብልናን ዝበሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኢዴፓ ኣቶ ዋስይሁን ተስፋየ ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብታ ሃገር እቲ ህዝቢ ዘሕደሮ ተፅዕኖ ዋና ምኽንያት እዩ ዝብል እምነት ኣለና ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

ኣብታ ሃገር ዝተላዓለ ተቓውሞ ስዒቡ ምትዕርራይ ካብኔ ከምዝተኻየደ ዘዘኻኸሩ ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ብወገኖም እቲ ልዝብ እውን ናይዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ውፅኢት እዩ ኢሎም።

ኣብ እዋን ቅድመ ልዝብ ዝተዛረቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ ግን ንሕና ተፃሊእና ንዕረቕ ዘለና ኣይኮናን ስልጣን ንምምቓል እውን ኣይኮነን፤የግዳስ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንቕድሚት ንምስጓም ንፖለቲካዊ ሃውህው ብዝበለፅ ንምስፋሕ እዩ ንላዘብ ዘለና ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG