ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደጋ ድርቅን ጥምየትን ይቀላቐል ምስዘሎ ሓድሽ ጂኦ-ፖለቲካዊ ምዕባለን ቀርኒ ኣፍሪቃ ናበይ ገፁ? (2ይ ክፋል)


ቀርኒ ኣፍሪካ ሓደጋ ድርቅን ጥምየትን ኣንፀላሊዩዎ ይርከብ።ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪካን ምስ ምቅልቓል ሃገራት ዓረብ ካሊእ ጂኦ-ፖለቲካዊ ምዕባለታት ይርኣይ ኣሎ።

‘’እዚ ሓውሲ ምትፍናን ዘለዎ ቁጠባዊ ወፍርታትን ወታደራዊ ምትእትታዋትን ንናይቲ ዞብ ህዝብታትን ሃገራትን ፀጥታ ንምርግጋፅ ከይኮነስ ንረብሓ ናይተን ዝኣትዋ ዘለዋ ሃገራት ረብሓ ንምርግጋፅ እዩ’’ይብል ካናዳ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ኩውኒስ መምህርን ተመራማራይን ታሪኽ ዶ/ር ዓወት ወልድሚካኤል።

ስዑዲ ዓረብ፣ኢማራትስን ኳታርን ብልፍንቲ ኣብ የመን የካይድኦ ንዘለዋ ወታደራዊ ስርሒታት ኣብ ኤርትራ ዘሎ መደብር፣ኣብ በርበራ ዘሎ ወደብን ኣብ ጅቡቲ ዘሎ ወታደራዊ መደብርን ኤርትራ፣ሱማሊያን ጅቡቲን ኣብቲ ስርሒት ዋንነት የብለንን ይብል ዶ/ር ዓወት።

‘’ሃገራት እቲ ዞባ ብዘላቕነት ዝርብሓሉ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራትን እዞም ህዝብታትን ዘሎ ዝምድና ክምሓየሽን ክምዕብልን ክኽእል ኣለዎ፤ሓሳባት፣ሰባት ንግድን ካልእን ኣብዚ ዞባ እዚ ነፃ ኮይኖም ክንቀሳቐሱ ክሳብ ዘይክሉ እዚ ዞባ እዚ መሳርሕን መንሃሪያን ካልኦት ሓይልታትን ረብሓታትን ምዃኑ ኣይተርፍን’’ኢሉ።

‘’ምእታው ሃገራት ዓረብ ናብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሓደጋ እንተሃለዎ እውን ብወታደራዊ መደይ ጥራሕ ስለዘይኮነ ገሊአን ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ብኢንቨስትመንት ይዋፈራ ስለዘለዋ ፀጋ እውን እየን’’ ዝበለ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ሚዲያ፣ፖለቲካን ሲቪክ ማሕበራትን ዝዋሳእን ናይ ዶክትሬት ትምህርቱ ኣብ ምክትታል ዝርከብን ኣቶ ኣሉላ ሰለሞን ‘’እዚ ወታደራዊ ካምቦታት ናይ ምህናፅ፣ጭዋዳ ናይ ምርኣይን ከባቢያዊ ጎብለል ንምዃን እተን ሃገራት ዝገብርኦ ምቅስቓስን ንጎረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ ዘይምርግጋእ ዝወስድ ሓደገኛ መንገዲ እዩ’’ ይብል።

ኣብ መንጎ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ቁጠባዊ ምትእስሳር እንተድኣ ሓይሊ ካብዘን ዝኣትዋ ዘለዋ ሃገራት ዝመፅእ ተፅዕኖ ክምክታ ተኽእሎ ክህልወን እዩ ይብል ብምውሳኽ ኣቶ ኣሉላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:12:00 0:00

XS
SM
MD
LG