ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ዘተ ቅድመ ልዝብ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያን 21 ፓርትታትን ጊዜ ወሲዱ” ዶ/ር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ


ኣብ ቅድመ ልዝብ ይሳተፉ ዘለው ገዛኢ ፓርትን ፓርትታትን ውሽጢ ሃገር ክሳብ ሕዚ ናብቲ ቀንዲ ልዝብ ክኣትው ነይሩዎም ክብሉ ኣባል ፓርላማ ዝነበሩ ይነቕፉ።እቶም ፓርትታት ኣብ ስነስርዓት እቲ ልዝብ ከይተረዳድኡ ዘሕለፍዎ ግዜ ዝጠፍአ ግዜ እዩ ክብሉ ገሊፆምዎ ኣለው ኣባል ፓርላማን ናይ ፓን ኣፍሪካ ፓርላማ ናይ ክብሪ ምኽትል ፕረዝደንትን ዶ/ር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ።

ዘተ ቅድመ ልዝብ ካብ ዝጅምሩ ሰለስተ ኣዋርሕ ምቑጻሩ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግን ተቓወምትን ትማሊ ብዘይስምማዕ ምስ ተፈላለዩ እቲ ኣኼባ ን2 ሚያዚያ 2009 ዓ.ም ተመሓላሊፉ’ሎ።መድረኽ እውን ነቲ ዝርርብ ኣቋሪፁዎ’ሎ።ንርእሶም ዘተኣኻኸቡ ሽዱሽተ ፓርትታት ድማ ንምቕፃል ወይ ንዘይምቕፃል ንምውሳን ኣኼባ ከምዘይካይዱ ኣፍሊጦም።

ኣባል ፓርላማ ዝነበሩ ዶ/ር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ እቲ ዝርርብ ምጅማሩ ዝድነቕ’ኳ እንተኾነ ከይተሰማምዑ ዝሓለፉወን መዓልታት ግን ዝባኸና እየን ይብሉ።

ቅድመ ልዝብ ተወዲኡ ዋና ልዝብ ጀሚሩ ህዝቢ ትፅቢት ዝገብረሉ ኣብ ክንዲ ዝኸይድ ብጋንኡ ናብ ምፍልላይ ምኻድ ኣይጠቅምን ኢሎም።

ዶ/ር ኣሸብር ከምዚ ዝበለ መድረኽን ዕድልን ምጥቃም እምበር ምቁራፅ ኣየድልን፤ ፖለቲካ እንካ ሃባ እዩ ኢሎም ።

ኣብ መንጎ ገዛኢ ፓርትን 21 ናይ ውሽጢ ሃገር ፓርታትን ፍልልያት ይርኣዩ ኣለው። ነቲ ሓደ ገፅ ኣብ መንጎ ገዛኢ ፓርትን ተቓወምትን በቲ ካልእ ድማ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ፓርትታት ዘሎ ኣፈላለያት እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG