ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚሊዮን ማሞ እንትዝከር


v
v

ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ከተማ ኦስትን እናነበረ ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዙ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ማይጨው ኣብ መበል 38 ዓመቱ ብሓደጋ መኪና ዝሞተ ኢትዮጵያዊ-ኣሜሪካዊ ሚሊዮን ማሞ ሰባት ብሰናይ ስርሑ ይዝክሩዎ።

ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ክልፈ ግዝኣት ቴክሳስ ከተማ ኦስትን ንኣስታት ትሽዓተ ዓመት ዝነበረ ሚሊዮን ኣብ ብዙሓት ማሕበራውን ናይ ምትሕግግዛትን ስራሕቲ ብዝለዓለ ደረጃ ዝንቀሳቐስ፣ንዝተፀገሙ ብውልቂ ይኹን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ብምስታፍ ንፅጉማት ብምሕጋዝ ዝፍለጥ ከምዝነበረ ኩሎም ዝፈልጡዎ ይዛረቡ።

ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ብዕድመ ዝደፍኡ ጠወርቲ ንዘይብሎም ኣረጋዊያን፣ኣብ ከተማ ማይጨው ድማ ንጋንታ ኩዕሶ እግሪ እታ ከተማ ስፖርታዊ ዕጥቒ ከምዝሓገዞም እቶም ስፖርተኛታትን ምምሕዳር እታ ከተማን ይገልፁ።

ኣብ ከተማ ማይጨው ስፖርታዊ ዕጥቒ ዝዓደገሎም ኣባላት እታ ጋንታ ልምምድ እናካየዱ ንሱ ድማ ቪዲዮ እናቐረፆም ከሎ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።ካብዚ ብምብጋስ እታ ኩዕሶ እግሪ ክፃወት ዝዓበየላን ህይወቱ ዝስኣነላን ማይዳ ‘’ስታዲዮም ሚሊዮን ማሞ’’ ተባሂላ ንክትፅዋዕ ደገፍቱ ፊርማ/ፐቲሽን/ የተኣኻኽቡ ኣለው።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:37:51 0:00

XS
SM
MD
LG