ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ዘጽደቆ ረቂቅ “ንሕቶ ህዝቢ ኣይምልስን” ክብሉ ኦብነግን ኦነግን ተቓዊሞም


አዲስ አበባ ከተማ - ፋይል
አዲስ አበባ ከተማ - ፋይል

ክልል ኦሮሚያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዎ ፍሉይ ረብሓ ንምሕላው ብዝብል ብቤት ምኽሪ ሚንስትራት ፀዲቑ ናብ ወከልቲ ህዝቢ ዝተመርሐ ረቂቕ ሕጊ “ንሕቶ ህዝቢ ዘይምልስ፣ዝተጠቕምሉ ቋንቋን ኣገላልፃን ንህዝቢ ዘረሓሕቕ ኸፋፋሊ እዩ’’ ክብሉ ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ግንባርን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ተቓዊመምዎ።

ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኦሮሚያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝህልዎ ረብሓ ብዝምልከት ዘፅደቖ ረቂቕ ኣዋጅ ንስሩዕ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ምምሕዳርን ጉዳያት ከተማታትን መሪሑዎ’ሎ።እቲ ቤት ምኽሪ ንዕረፍቲ ክወፅእ ዝተረፈ ሓደ ሰሙን ብምዃኑ ብፓርላማ ኣይፀደቐን።

ተቓወምቲ ውድባት ኦሮሞ ነቲ ረቂቕ ሕጊ ይቃውምዎ።ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ከምኡ እውን ወሃቢ ቃል ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ኣቶ ሌንጮ ባቲ ዝወፀ ኣዋጅ ንሕቶ ህዝቢ ዝምልስ ኣይኮነን ክብሉ ነፂጎምዎ።

“ዝተጠቐምሉ ቋንቋን ኣገላልፃን ህዝቢ ምስ ዝህቢ ዘረሓሕቕን ዘፃብእን፣ካልእ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ክልዓልን ቅሬታ ከሕድርን እቲ ህዝቢ ዝኸፋፍልን እዩ።ምኽንያቱ ህዝቢ ኦሮሞ ፍሉይ ረብሓ ኣይሓተተን፣ፍሉይ ረብሓ ምሕታት እውን ኣይክኣልን።ካልእ ህዝቢ ዘለዎ መሰል ይትሓለወሉ ኢና ንብል ዘለና እምበር ካብ ካልእ ህዝቢ ተፈልዩ ንበይኑ ፍሉይ ረብሓ ዝሓተተሉ ኩነታት የለን።”

ኣብቲ ረቂቕ ሕጊ ዝተቐመጡ ከም ትምህርቲ፣መሰረተ ልምዓትን ባህሊን ዝኣመሰሉ መሰላት ዝኾነ ይኹን ሰብ “ሰብ’’ ብምዃኑ ዝረኽቦም መሰላት እዮም ዝበሉ ኣቶ ሌንጮ ብሽም ፍሉይ ረብሓ ፖለቲካዊ ድልየት ንምምላእን ደም ዘፋሰሰ ማስተር ፕላን ብኻልእ መልክዕ ንምፍፃም እዩ ኢሎም።

ኣቶ ሌንጮ ብተወሳኺ ንኦሮሞ ፍሉይ ረብሓ ክብሉ ከለው እቲ ኻልእ’ኸ ኣይርባሕን ማለት ድዩ ኢሎም ይሓቱ ።

“ኦሮሚያ መሰረተ ልምዓት ወይ ቤት ትምህርቲ ወይ ናይ ባህሊ ማእኸል ክሰርሕ ከሎ ካብ ሊዝ ወፃኢ ይውሃቦ ይብል።እቲ ካልእ’ኸ? ካብ ክልል ጋምቤላ መፂኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ማእኸል ክሰርሑ እንተ ደልዮምኸ?ኣብ ባህርዳር ክሰርሑ እንተድኣ ደልዮም’ኸ?ንዕኦም ሊዝ ከኽፍሉዎም ማለት ድዩ?ኣብ ሓንቲ ሃገር ክልተ ዓይነት ምምሕዳርን ረብሓን ክህልው ማለት ድዩ?ኣይክኣልን።ከምዚ ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ትካላት ንህዝቢ ስለዝረብሑ ብዓንተብኡ እውን ብነፃ ክወሃቦም ኣለው።”

ዝተጠቕምሉ ቋንቋ ንኻልእ ኢትዮጵያዊ ዘፈራርሕ ከምዝኾነን ህዝቢ ንዘካይዶ ዘሎ ቓልሲ ንምድኻምን ንህዝቢ ንምክፍፋልን እዩ ድሕሪ ምባል ኣዲስ ኣበባ ናይ ፌደራልን ናይ ኦሮሚያን ዋና ከተማ ክትኸውን ኣለዋ እውን ኢሎም።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ እውን ነቲ ረቂቕ ሕጊ ብምቅዋም መግለፂ ኣውፂኡ’ሎ። ወሃቢ ቃል ኦነግ ኣቶ ቶሌራ ኣደባን ውድቦም ነቲ ረቂቕ ሕጊ ዝተቓወመሉ ምኽንያት ከምዚ ክብሉ ይገልፁ።

“ረብሓ ህዝቢ ኦሮሞ ብዝምልከት ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ወሰንቲ ሕቶታት ናይ ህዝቢ ውክልና ዘለዎ ኣካል እዩ ክውስን ዘለዎ እምበር ብህዝቢ ዘይተመርፀን ህዝቢ ዘይወከሎን መንግስቲ ይኹን ጉጅለ ክውስን ኣይክእልን ካብ ዝብል ኢና ተቓውሞና ነስምዕ ዘለና።”

ኣቶ ቶሌራ እቲ ኣዋጅ ህዝቢ ኦሮሞ ክቃወሞ ንዝፀንሐ ማስተር ፕላን ብኢድ ኣዙር ንምፍፃም ዝተሃቀነ ውጥን እምበር ንሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ ይፈትሕ እዩ ዝብል እምነት የብልናን ኢሎም።እቲ ሕቶ ናይ ፍሉይ ረብሓ ሕቶ ከይኮነስ ናይ ዋንነት እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG