ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ ወጻኢታት ኣፍሪቃ ምጉዳሉ ተሓቢሩ


ወታደራዊ ወፃኢታት ኣፍሪቃ ምጉዳሉ ንወታደራዊ ወፃኢታት ናይ ዝከታተል ዓለምለኸ ትካል ፀብፃብ ገሊፁ።

ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ክውስኽ ዝጸንሓ ወታደራዊ ወፃኢታት ኣፍሪቃ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ምጉዳሉ ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ዝመደበሩ ዓለምለኸ መፅናዕቲ ሰላም ዝተባህለ ትካል ዘወፅኦ ሓዲሽ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ዘውፅኦ ፀብፃብ ወታደራዊ ወፃኢታት ዝፀሓፈን ተመራማሪን ዝኾነ ናን ቲያን ቀንዲ ምኽንያት ምንካይ ወፃኢ ብሰንኪ ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ እዩ ይብል።

“ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ ንብዙሓት ሃገር ተንኪፉወን እዩ፤ ደቡብ ሱዳንን ኣንጎላን ብኣብነት ዝጥቀሳ እየን።ዳርጋ ንብምሉኡ እቲ ዞባ እዩ ተንኪፉዎ።”

ወታደራዊ ወፃኢ ኣፍሪቃ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብምንፅፃር ኣብ 2016 ዓ.ም ብ1.3 ሚእታዊት ምንካዩን ብድምር ኣስታት 37.9 ቢሊዮን ዶላር ከምዝኾነን እቲ ፀብፃብ ይገልፅ።

ወታደራዊ ወፃኢ ሎሚ ዘበን ዋላ እንተወረደ እውን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ምስ ዝነበረ ክነፃፀር ከሎ ግን ብ48 ሚእታዊት ዝበዝሐ እዩ።ዝለዓለ ወፃኢ ዝምድባ ሃገራት ነዳዲ ዘምርታ ስለዝኾና ምውራድ ዋጋ ነዳዲ መንግስታት ወታደራዊ ወፃኢኦም ሓዊሱ በጀት ክንክዩ ተገዲዶም እዮም።

ካብ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምህርተን ልዕሊ 3 ሚእታዊት ንወታደራዊ ወፃኢ ዝምድባ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓሰርተ እየን።ኣብ 2016 ዓ.ም ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 7 ሚእታዊት፣ኣልጀሪያ 6.7 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ፍሪያተን መዲበን።

ብደረጃ ዓለም ካብ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ፍሪያት 2.2 ሚእታዊት ንወታደራዊ ወፃኢ ይምደብ።

ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ብሰላምን ሰናይ ምምሕዳርን ሽማ እትጥቀስ ቦትስዋና ወታደራዊ ሓይላ ዘመናዊ ንምግባር 152 ሚሊዮን ዶላር ብምምዳብ ብ40 ሚእታዊት ወሲኻ’ላ።ናይጀሪያ እውን ብሰንኪ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ቦኮ ሓራም ብ1.2 ሚእታዊት ብምውሳኽ ናብ 1.7 ቢሊዮን ዶላር ክብ ክተብል ከላ ኬንያን ማሊን እውን ግብረ ሽበራ ንምግጣም ወታሃደራዊ ወፃኢአን ወሲኸን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ወታሃደራዊ ወጻኢታት ኣፍሪቃ ምጉዳሉ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:22 0:00

XS
SM
MD
LG