ኣብ ሸራተን ሆቴል ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ እቲ ክፍሊት ኣብ ኮምፒተርን ሞባይል ቴሌፎንን ኣፕሊኬሽን ብምፅዓን እዩ ዝፍፀም።ስለዚ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ኣፍሪቃዊያንን ካብ ዝነብሩለን ሃገራት በቐሊሉ ክኸፍሉ ከምዝኽእሉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ‘ክፊያ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ውልቂ ማሕበር’ ኣቶ ሙኒር ዱሪ ገሊፆም።
“ኢትዮጵያዊያን ሓዊሱ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኣፍሪቃዊያን ዳያስፖራ ኣብ ሃገሮም ናብ ስድርኦም፣ንኣዕርኽቶምን ንኣዝማዶምን ናይ ማይ፣ናይ መብራህቲ፣ናይ ቴሌፎን፣ናይ ኢንሹራንስን ናይ ጥዕናን ክፍሊት ክፍፅሙ ዘኽእሎም እዩ። እዚ ኣገልግሎት ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ እዩ።”
ከም ኢትዮጵያዊ ኩባኒያ ፈላማይ ናይ ፈተነ ስርሑ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝጅመርን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ድማ ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃ ከምዝስፋሕፋሕን ገሊፆም።
ንናይ 2015 ዓ.ም ሪፖርት ባንኪ ዓለም ዝጠቐሱ እዞም ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ሓለፍቲ ትሕቲ ሰሃራ ናብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዓመት 36 ቢሊዮን ዶላር ይልኣኽ ኢሎም።
ካብ ናይጀሪያ ቀፂላ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘት ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ብሓዋላ ጥራሕ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ቢሊዮን ዶላር ከም እተእትው ተሓቢሩ’ሎ።