ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አካታዒ ጉዳይ ምርቋሕ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንዳይሬክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም


ሕጹያት ንዳይሬክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም
ሕጹያት ንዳይሬክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም

ዳይሬክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም/WHO/ ንምምራፅ ሎሚ ሶኑይ ጉባኤኡ ጀሚሩ’ሎ።ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስትር ወፃኢ ከምኡ እውን ሚኒስትር ጥዕና ዝነበሩ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝርኸብዎ ሰለስተ ሕፁያት ተዳልዮም ኣለው።ዶ/ር ቴድሮስ ሕፁይ ኮይኖም ምቕራቦም ኣብ ኢትዮጵያዊያን ምክፍፋል ፈጢሩ’ሎ።ዓለምለኸ ክኢላታት እውን ከምኡ ዝተሓዋወሱ ርእይቶታት ይህቡ ኣለው።

194 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቖፈ ውዱብ ጥዕና ዓለም/WHO/ ን10 መዓልታት ዝፀንሕ ጉባኤኡ ሎሚ ጀሚሩ’ሎ። ቀዳማይ ኣጀንዳ’ቲ ጉባኤ ዋና ዳይረክተር እቲ ውዱብ ንምምራፅ እዩ።

ንውድድር ቀሪቦም ዘለው ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስትር ጥዕናን ኢትዮጵያ ነበርን ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ብምውካል፣ዶ/ር ሶንያ ነሽታ ካብ ፓኪስታንን ዶ/ር ዶቪድ ናባሮ ካብ ብሪጣንያን እዮም።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንውድድር ምቕራቦም ኢትዮጵያዊያን ኣብ ክልተ ደምበታት ብምዃን ተቓውሞን ደገፍን የስምዑ ኣለው።ኣብቲ ጉባኤ ዝኻየደሉ ከተማ ጄኔቭ ስዊዘርላንድ’ውን ሰልፍታት ከካይዱ እዮም።

በቲ ሓደ ወገን ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ መዳይ ጥዕና ከምኡ እውን ዓለምለኸ ትካላት ብምምራሕ ብሓባር ብምስራሕ ብዙሕ ለውጥታትን ምምሕያሻትን ኣምፂኦም ብምባል ክድግፉዎም ከለው ብኣንፃሩ ድማ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንሶም ኣካል ዝኾኑሉ መንግስቲ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስን ፍትሓዊ ኣገልግሎት ጥዕና ንዜጋታቱ ንምብፃሕ ዘይኸእለ፣ኮሌራ ከምዝኣመሰለ ሕማም ዝተፈለየ ሽም ብምሃብ መድሓኒት ከምዘይባፃሕ ገይሮም ክብሉ ይቃወሙዎም ኣለው።

ኣብ ጄኔቭ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምክያድ ናይ ዝፅውዐ ‘ምትኽኻብ ንናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት’ ዝተባህለ ጉጅለ ዝመርሑ ኣቶ ያሬድ ሃይለማሪያም ዶ/ር ቴድሮስ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብሉ ኣይፈተኑን፤ስለዝኾነ ድማ ተሓታቲ እዮም ይብሉ።

ብምቕጻል ንሶም ብዛዕባ እዚ ኣብ ምርጫ ድምፂ ብምሃብ ንዝሳተፉ መንግስታትን ንባዕሉ ውዱብ ጥዕና ዓለም ናይ ተቓውሞ ደብዳቤ ኣቕሪብና ኣለና ይብሉ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኮሌራ ከምዝኣመሰለ ሕማም ዝተፈለየ ሽም ብምሃብ ‘’ሓያል ውፅኣትን ተምላስን’’ዝብል ሽም ብምሃብ መድሓኒት ከምዘይባፃሕ ገይሮም ክብሉ ይቃወሙዎም ኣለው።

ካብዚ ዝተፈለየ ሪኢቶ ዘለዎም ድማ ብዛዕባ ብቕዓት ዶ/ር ቴድሮስ ይዛረቡ።54 ዓመታት ዕድመ ናይ ዘቑፀረ ማሕበር ሰብሙያ ሕክምና ኢትዮጵያ ዳይረክተር ዶ/ር ገመቺስ ማሞ ዶ/ር ቴድሮስ ሓላፍነቶም ብብቕዓት ዝወፅኡ መራሒ እዮም ይብሉ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆርጅ ታውን ዳይረክተር ኦ’ነይል ኢንስቲትዩት ንሃገራውን ዓለምለኸን ሕጊ ክንክን ጥዕና ንጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ኢትዮጵያ ለበዳ ኮሌራ ናይ ምሕባእ ነዊሕ ዝፀንሐ ታሪኽ ስለዘለዋ ዶ/ር ቴድሮስ እንተድኣ ተመሪፆም ተኣማንነት ውዱብ ጥዕና ዓለም ኣብ ሕቶ ክወድቕ እዩ ይብሉ።

‘ዶ/ር ቴድሮስ’ ኢሎም ንሶም ‘ርህሩሁን ዝለዓለ ብቕዓት ዘለዎምን በዓል ስልጣን ህዝባዊ ክንክን ጥዕና እዮም ይኹን እምበር ኮሌራ ምልዓሉ ኣፃሪዮምን መርሚሮምን ብሓቅነት ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ነይሩዎም’ ክብሉ ንኒውዮ ዮርክ ታይምስ ተዛሪቦም።

ካብ 2009 ክሳብ 2017 ዓ.ም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣሜሪካ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ዝነበሩ ቶም ፍሪደም ኣብ ጋዜጣ ኒው ዮርክ ኣብ ዝፅሓፉዎ ርእይቶ ኣብ ኢትዮጵያ ‘ከቢድ ውፅኣትን ተምላስን ኮሌራ ኣሎ ምባል ኣብ ናይ ህዝቢ ጥዕና ዘምፅኦ ለውጢ የለን ኢሎም ኣለው።እዚ ርእይቶኦም ንድምጺ ኣሜሪካ እውን ደጊሞምዎ ኣለው።

ዶ/ር ቴድሮስ ሚኒስትር ጥዕና ኣብዝነብርሉ እዋን ከቢድ ውፅኣትን ተምላስን ኮሌራ ብዝብል ዘይምፅዋዕ ዘስዓቦ ዝኸፈአ ጉዳይ ዘይምህላውን ዶ/ር ቴድሮስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዘርግሑዎም ዘደንቑ ናይ ጥዕና ፕሮግራማት ብውልቆም ከምዝፈልጡዎምን በዞም ፕሮግራማት እዚኦም ህይወት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናት ካብ ሞት ምትራፍ ምኽኣሉን ኣብ ፅሑፋተን ንምርኣይ ፈቲነ ኣለኹ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ውዱብ ጥዕና ዓለም ወኪል ዶ/ር ኣክፓካ ካሉ እውን መንግስቲ ነቲ ሕማም ከቢድ ውፅኣትን ተቕማጥን ኢሉ ምፅውዑ ትኽክል እዩ ምኽንያቱ ከባቢያዊ ማእኸላት ጥዕና ነቲ ሕማም ናይ ምምርማር ብቕዓትን የብሎም ኢሎም።

ብዝኾነ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም መን ይኸውን ንዝብል ኣብ ቀረባ ዝምለስ ሕቶ’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG