ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ዲጂታል ዴሞክራሲ” ኣፍሪቃዊያን ኣብ ፖለቲካ ጽልዋ ክህልዎም ኣኽኢሉ’ሎ ተባሂሉ


ዲጂታል ዴሞክራሲ፣ንመንግስትን ንሰራሕተኛታት መንግስትን ተሓተቲ ዝገብር ሓደሽ መንገዲ ኮይኑ’ሎ።መርበብ ሓበሬታትን ተንቀሳቓሲ ኣፕልኬሽናትን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ፤ ዜጋታት ኣብ ፖለቲካ ፅምዶ ንክገብሩ፣ ድኹም ኣገልግሎት እንተሊዩ መረረቶም ከስምዑ ወይ ብልሽውና ከቃላዑ ዕድል ይህቦም ኣሎ።

ካብ ከይተቖፅረ ዝፍፀም ክፍሊት፣ክሳብ ብናይ ስማርትፎን ኣፕሊኬሽናት ምርካብ ኣገልግሎት ታክሲ ከምኡ እውን ምግዛእ መግቢ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣበርክኡ እናዓበየ ይርከብ።ኣብ ታንዛኒያ ኣማኻሪት ኮሚኒኬሽን ማሪያ ሳሩንጊ ናይ ኣፍሪቃ ዲጂታል ለውጢ ይፃወቶ ዘሎ ተራ ከምዚ ክትብል ትገልፆ።

“ብዙሓት ሰባት ኣገባብ መነባብርኦም ብዛዕባ ዝምልከቱ ሓሳባት ክለዋወጡ ኢኻ ትሪኢ።ሃብቲ፣ስራሕን ዕድላትን ክፈጥሩ እውን ትዕዘብ።ኣብ ፖለቲካዊ መዳያት እውን ክፃመዱ ትሪኦም ኣለኻ።”

ሳሩንጊ ለውጢ ታንዛኒያ ናይ ዝተባህለ መድረኽ መስራቲት እያ።ብማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝጀመረ ናይ ኦንላይን ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ብዙሓት ምንቅስቓሳት ኣብ ምስላጥ ይርከብ ትብል።

“ቀደም ሰባት ፈቖዶ ጎደናታት ኮፍ ኢሎም ፖለቲካ የውግዑ ነይሮም።ሎሚ ግን ፈጠረቲ ፅልዋ ኮይኖም ኣለው።ምስ ምትእትታው ማሕበራዊ መራኸቢ ሎሚ ድምፅኻ ዓው ኢሉ ክስማዕ ይኽእል።”

ኣብ ኡጋንዳ ዮገራ/ተዛረብ ወይ ድምፅኻ ኣስምዕ ከም ማለት እዩ/ ዮገራ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ መርበብ ሓበሬታ ዜጋታት ብዛዕባ ዘጋጥሞም ድኹም ኣገልግሎት መረርኦም ከምስዑ ወይ ንብልሽውና ከቃልዑ ዕድል ሂቡዎም ኣሎ።

ዛሌንዶ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ናይ ኬንያ መርበብ ሓበሬታ እውን ዓይንን እዝንን ኬንያዊያን ኮይኑ የገልግል ኣሎ።ንናይ ኬንያ ፓርላማ ይከታትል፣ብዛዕባ መንነት ፖለቲከኛታት ሓበሬታ ይህብ፣ወፃኢታት ይምርምር፣ንመሰላት ዜጋታት እውን የጉልህ።

ሳሩንጊ ግን እቲ ኣብ ፖለቲካዊ ፅምዶ ዕድል ዝህብ ሓድሽ ናይ መራኸቢ መድረኻት ሓደጋ እውን ኣለዎ ትብል።

“መንግስታት ክንድዝኽእሉዎ ንንኩሎም ምንቅስቓስ ንምቁፅፃር ክፍትኑ ከለው እውን ንሪኢ ኣለና።”

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጃሚ ፎሮምስ ብዝብል ሽም ናይ ዝፅዋዕን ጌጋ ክፍፀም ከሎ ናይ ፊሽካ ድምፂ ዘስምዕ መርበብ ሓበሬታ መስራቲ ማዜንስ ሜሎ ናይ ታንዛኒያ ናይ ሳይበር ገበናት ሕጊ ጥሒስካ ብዝብል ተኸሲሱ።

ንሱ ኣብ ቤት ፍርዲ ክዛርብ ከሎ ንሱ ይኹኑ ደገፍቱ ፀረ መንግስቲ ወይ ዳያኑ ወይ ሓይልታት ፖሊስ ከምዘይኮኑ ብምግላፅ ይኹን እምበር ንህዝቢ ይዕፍን ኣሎ ንዝበሎ ሕጊ ገበናት ሳይብር ኢና ንቃወም ዘለና ኢሉ።ሜሎ ዝቕፅል ወርሒ ንፍርዲ ክቕርብ እዩ።

ብተመሳሳሊ ሰበስልጣን ካሜሮን ሚሊዮናት ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከይረኽቡ ኣብዚ ዓመት እዚ ቆሪፆምዎ።እዚ ዝኸውን ዘሎ ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዝኛ ኣብዝነብሩላ ክፋል እታ ሃገር ኣብዚ ዓመት ዝነበረ ፀረ መንግስቲ ተቓውሞ ስዒቡ እዩ።ዶብ ኣልቦ ኢንተርኔት ዝተብሃለ ናይ ፈረንሳይ ተሓላቒ ጉጅለ መንግስታት ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ንምዕፋን ኢንተርኔት ምቁራፅ ከም መሳርሒ ይጥቀሙሉ ኣለው ክብል ኣጠንቂቑ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG