ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር፣ዞባ ክልተ፣ወረዳ ኣብዓላ /ብናይ ቀደም ሽሙ ሽኸት/ ዝነብሩ ትግርኛ ተዛረብቲ ፍሉይ ወረዳ ተጣይሹ ‘’ብቋንቋና ናይ ምምሃር፣ናይ ምድናይን ባህልና ናይ ምዕባይን ሕገ-መንግስታዊ መሰልና ይከበረልና’’ ክብሉ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ዘቕረቡዎ ጥርዓን ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ሕቶ ውዱቕ ገይሩዎ’ሎ።ብቛንቁኦም ክምሃሩ ክልል ዓፋር ኩነታት ከመቻቸወሎም እውን ገሊፁ’ሎ እቲ ቤት ምኽሪ ብመሰረት ፀብፃባት መንግስታዊ መራኸቢ ማዕኸናት።
በቲ ውሳነ ዘይዓገቡ ነበርቲ እታ ወረዳ 150 ኣባላት ዝሓቖፈ ኮሚቴ ብምጥያሽ ቀዳማይ ምንስቴር እታ ሃገር ጣልቃ ኣትዮም ፀገሞም ክፈትሐሎም ጥርዓን ንምቕራብ ኣብዝሓለፈ ሰሙን ኩሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዞም ነይሮም።
እቶም ተወከልቲ ናብ ቀዳማይ ምንስቴር ጥርንዓን ከምዘቕረቡን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ናይ ምስዓር ስልጣን ከምዘይብሉ ወኪላት እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ከምዝተዛረቡዎም ናይቲ ኮሚቴር ኣቦ መንበር መንእሰይ ሙሉጌታ ወረደ ንቪኦኤ ገሊፁ።’’ሕገ መንግስታዊ መሰልና ክሳብ ዝረጋገፅ ቃልስና ክቕፅል እዩ ኢሉ’ሎ’’ ብምውሳኽ።
ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር ኣቶ መሓመድ ከዲር ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዝሃቦ ውሳነ ከምዘሎ ብምግላፅ ‘’እቲ ክልል እውን ናይ ባዕሉ መርገፂ ኣለዎ ይኹን እምበር ብዛዕባ መርገፂኡ ይኹን ናይቲ ህዝቢ ሕቶ ንመራኸቢ ማዕኸናት መግለፂ ንምሃብ ፍቓደኛታት ኣይኮናን’’ ክብሉ መሊሶም።
ብቛንቁኦም ክምሃሩ ክልል ዓፋር ኩነታት ከመቻቸወሎም ኣለዎ ክብል እውን ኣተባቢዑ’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።