ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንምምፃእ ፃዕሪታት ክሕይሉ ጸዊዖም


ላዕለዋይ ኮሚሽንር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ
ላዕለዋይ ኮሚሽንር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ

ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ይፍፅሙ ዘለው ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ደቡብ ሱዳን ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ ድሕሪ ምባል ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንምምፃእ ፃዕሪታት ክሕይሉ ጸዊዖም።

ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብዝኸበረሉ ዘሎ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ላዕለዋይ ኮሚሽንር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ቀንዲ ትኹረቶም ብሓድ ሕድ ግጭት ትሕመስ ዘላ ደቡብ ሱዳን ኮይና’ላ።

ኣብ ጋምቤላ ተዓቑቦም ምስ ዝርከቡ ስደተኛታት ብሓባር ንዓለምለኸ ስደተኛታት ዘኽበሩ ክኾኑ ከለው ኣብ ደቡብ ሱዳን እውን በፂሖም ኣለው።ሎሚ ረቡዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብዝሃብሉ እዋን ኣብታ ሓዳስ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዘተሓሳስብ ኩነታት ኣሎ ኢሎም።

“ካብ ጁባ ናብ ጋምቤላ እየ መፂአ።ኣብ ደቡብ ሱዳን ንኽልተ መዓልታትን ፈረቓን ፀኒሐ ከምዝርኣኹዎ ኣዚዩ ዘጨንቕ ኩነታት እዩ ዘሎ።ሎሚ እውን ሰላም የለን።ካብ 12 ሚሊዮን ደቡብ ሱዳናዊያን ኣርባዕተ ሚሊዮን ወይም ሲሶ ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ወይ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ተመዛቢሎም ኣለው።”

እቶም ኮሚሽነር ወሲኾም እዚ ስለዝኾነ ድማ ሰላም ንምምፃእ ፃዕርታት ብቕልጡፍ ክሳለጡ ኣተሓሳሲቦም ።

“ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው ግዜ ከምዘይድልዮ ከስምረሉ እደሊ።ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንምምፃእ ኣብ ዝግበሩ ፃዕርታት እቶም መራሕቲ ሓላፍነት ብዝተመልኦ ኣገባብ ክንቀሳቐሱን ኣፈላላያት ብምፅባብ ኣሳታፊ መስርሕ ክኽተሉን ኣለዎም።”

ሃገራዊ ልዝብ፣ንምርጫ ምድላዋትን ምስ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ምርኻብ ኣገዳሲ እዩ ፕረዝደንት ሳልቫ ኪር ኣሳታፊ ዝኾነ ፃዕሪ ሰላም ከምዝገብሩ እውን ገሊፆምለይ ኣለው ኢሎም።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ፊሊፓ ግራንዲ ምስ ሰበስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዘራሪቦም ኣለው።ናይ ደቡብ ሱዳንን ናይ ኢትዮጵያን መገሽኦም ሎሚ ዝዛዘሙ እቶም ኮሚሽነር ናብ ኡጋንዳ ኣምሪሖም ኣለው።

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 840 ሽሕ ስደተኛታት ጎረቤት ሃገራት ከምዝርከቡ ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG