ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንደ ኣብ ማእከል ስደተኛታት ጋምቤላ በጺሖም


ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንደ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:06 0:00

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንደ

ንሶም ነዚ ምብጻሕ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ህዝቢ ዓለም ስደተኛታት ክቅበል ጸዊዖም። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንደ ነዚ ምብጻሕ ነቲ ትማሊ ዝተዘከረ መዓልቲ ስደተኛታት ምክንያት ብምግባር ምክያዶም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ትካል ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2016 ኣብ መላእ ዓለም 65.6 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ እቲ ትካል ልዕሊ ፍርቂ ካብ ስደተኛታት ዓለም ካብ ሃገራት ሶርያ፡ኣፍጋኒስታን ደቡብ ሱዳን ዝመጹ ምኳኖም ይገልጽ።

ኣብ 2016 ዓ.ም ጥራይ አስታት 2 ሚልዮን ሓተቲ ዑቕባ ዝተመዝገቡ ክኾኑ ኸለው ጀርመን ብብዝሒ ስደተኛታት ምቕባል ቀዳመይቲ ክትስራዕ ከላ ኣሜሪካ፡ ጣልያንን ቱርኪን ድማ ካብ ሳልሳይ ክሳብ ራብዓይ ብቅደም ሰዓብ ይስረዓ።

ጸብጻብ እቲ ትካል ብተወሳኺ ኣብ ምምዕባል ዝርኸባ ሃገራት ን84 ሚእታዊት እዞም ስደተኛታት ዘዕቖባ ምኳነን ይሕብር።

“ብዘይ ሰላም እቶም ኣብ ውሽጢ ደቡብ ሱዳን ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ 4 ሚልዮን ሰባት ወይ ስደተኛታት ናብ መነባብርኦም ክምለሱ ኣይኽእሉን።”

ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ ኣብቲ ኣጋጣሚ ከምዚ ኢሎም።

“ኢትዮጵያ ካብ ስቕያት ሃዲሞም ሰብኣዊ ሓገዝ ደልዮም ንዝመጹ ኩሎም ሰባት ዶባታ ክፉት እዩ። ኢትዮጵያ ነዚ ንምግባር ቃል ኣትያ’ያ ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ተግባር ክካይዱ ተተባብዕ።”

ኣብ መወዳእታ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንደ ከምዚ ኢሎም።

“እዚ መዓስከር ንልዕሊ 50,000 ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ኣዕቑቡ ይርኸብ። ዓብይ ይመስል ግን ኸአ ልዕሊ ዓቐን ዝሓዘ’ውን ይመስል ግን ካብቶም ኣርባዕተ ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ወጻኢ ዝተመዛበሉ ደቡብ ሱዳናዊያን ንእሽቶይ ክፋል’ዩ ሒዙ ዘሎ።”

XS
SM
MD
LG