ብሰንኪ ሕፅረት ገንዘብ ግን ኣብ GTP ሓደ ክውድኡ ዝነበሮም ፕሮጀክታት ከይተዛዘሙ ምስግጋሮም ይግለፅ ኣሎ።
‘ኣብ ኢድካ ብዘየለን ብዘይተጨበጠን ባጀት ክንድዚ ክሰርሕ እየ ኢልካ ምቕማጥ እዩ እቲ ፀገም’ ይብል ብዛዕባ ፖለቲካዊ፣ማሕበራውን ቁጠባውን ጉዳያት ኢትዮጵያ ዝከታተልን ዝፅሕፍን ኣቶ ገብረስላሴ ኣርኣያ ካብ ስዊድን።
ምጉታት ፕሮጀክታት ስታዲዮምን ማይን ከተማ መቐለ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ዝገለፀ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክን ብሎገራትን ዝፅሕፍ፣ሰራሕተኛ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣቶ ኣስፋው ገዳሙ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብወገኑ ህንፀቱ ካብዝጅመር 14 ዓመታት ዘቑፀረ ፕሮጀክት ስታዲዮም መቐለ ካብ ዝግባእ ግዜ ንላዕሊ ብምጉታቱ ንተዓፃፃፊ ወፃኢ ከምዝተቓልዐ ይገልፅ።
ምኽትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ‘ካዛ ካፒታል ጉድስ ፋይናንስ ናይ ማሽነሪ መካረዪ ኩባኒያ’ ኣቶ ኣማኑኤል ገብረትንሳኤ ካብ ከተማ መቐለ ብወገኑ ዝተታሕዙ ሜጋ ፕሮጅክትታት ኣማኢት ቢሊዮናት ዝሓቱ ምዃኖምን ብገንዘብ ይኹን ብናይ ምፍፃም ዓቕሚ ዓበይቲ ብምዃኖም ክጓተቱ እንተኽኣሉ እውን ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ፈጢሮምና እዮም ይብል።
ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ቅድሚ ሰሙናት ምስ ህዝቢ ከተማ ዓድዋ ዘተ ኣብዘካየድሉ እዋን ብዛዕባ ምዝርጋሕ መስመር መገዲ ባቡር መቐለ-ሽረ እንዳስላሰ ዝሃብዎ ርእይቶ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦት መድረኻትን ቀንዲ መዘራረቡ ኣስርእስቲ ኮይኑ’ሎ።ኣቶ ኣማኑኤል ኣብ ቀዳማይ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ዝሓዝናዮ ፕሮጀክት ዝርግሐ መንገዲ ባቡር ብዙሕ ቢሊዮናት ዝሓትት ስለዝኾነ እሞ ኸኣ ናይ ገንዘብ ሕፅረት ስለዘጋጠመ ካልእ ግዜ ክንሰርሖ ኢና እዮም ዝበሉ እምበር ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝጋዋሕ ዘሎ ወረ ኣይስራሕን ኣይበሉን ይብል።
‘ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪም ደሳለኝ ኣብ ናትና ዕደመ ኣይስራሕን ዝብል ተስፋ ዘቑርፅ ርእይቶ እዮም ሂቦም’ይብል ኣቶ ኣስፋው ገዳሙ ብወገኑ።
ዝርዝሩ ቀዳማይ ክፋል እቲ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።