ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ቁፅሪ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሰባት 65.6 ሚልዮን ምብጽሑ ተሓቢሩ


ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ

ሓድሽ ዝወፀ ፀብፃብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ኣብ ዙሪያ ዓለም ብዝሒ ብሰንኪ ኲናት፣ህውከትን ምህዳንን ካብ ሃገሮም ወጻኢ ዝሰደዱን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉን ሰባት ከምዝወሰኸ ኣፍሊጡ።ብመሰረት ናይቲ ትካል “ፀብፃብ ዓለምለኸ ዝንባለ”(Global Trend Report) ተራእዩ ብዘይፈልጥ ክሳብ መወዳእታ 2016 ዓ/ም 65.6 ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣለው።

ብመሰረት ሓድሽ ዝወፀ ፀብፃብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት(UNHCR) ኣብ ዓለም ካብ 113 ሰባት ሓደ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ይመዛበል ወይ ድማ ናብ ወፃኢ ሃገር ይስደድ።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2016 ዓ.ም ካብ መነባብርኦም ካብዝተመዝገቡ 65.6 ሚሊዮን ሰባት እቶም 10.3 ሚሊዮን ሓደሽቲ ተመዛበልቲ እዮም።

ሶሪያ ብብዝሒ ተመዛበልቲ መዳርግቲ የብላን።12 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ካብ መነባብር ኦም ዝተመዛበሉ ወይ ናብ ጎረባብቲ ሓዊሱ ናብ ወፃኢ ሃገራት ተሰዲዶም ኣለው።

ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን በብዝሒ ስደተኛታት ብቕደም ስዓብ ካልኣይን ሳልሳይን ይስርዓ።ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ግን ኣብ ዓለም ቅልውላው ስደተኛታት ይንህር ዘሎ ኣብ ደቡብ ሱዳን እዩ ይብሉ።

“ኣብ መወዳእታ 2016 ዓ.ም ዝወፀ ሪፖርት ከምዝሓበሮ 1.4 ሚሊዮን ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ይርከቡ፤ኣስታት ክልተ ሚሊዮን ሰባት ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ኣለው።እቲ ኣሃዝ ክበዝሕ ይኽእል እዩ።እንተወሓደ ፍርቂ ሚሊዮን ስደተኛታት ኣብ መጀመሪያ ፍርቂ እዚ ዓመት እዚ ብርግፀኝነት ቆፂርና ኣለና። “

84 ሚእታዊት ስደተኛታት ኣብ ምምዕባል ካብ ዝርከባ ሃገራት ዝተመዛበሉ ክኾኑ ከለው ፍርቆም ህፃናት እዮም።ቅልውላው ስደተኛታት ብዝዓበየ ኣብ ድኻታት ሃገራት ዘጋጥም ፍፃመ እዩ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ፀብፃብ ኣብ 2016 ዓ.ም. ዕቑባ ካብ ዝሓተቱ 2.8 ሚሊዮን ሰባት መብዛሕቲኦም ኣብ ሃብታም ሃገራት እዩ ። ሓተቲ ዕቑባ ብምቕባል ጀርመን ብቀዳምነት ትስራዕ፣ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 722 ሽሕ ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ተመዝጊቦም ኣለው።ኣሜሪካ 262 ሽሕ ሓደሽቲ ኣመልከቲ ብምቕባል ካልአይቲ ኮይና’ላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG