ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ካብ ዝእወጅ ኣብቶም ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀሙ ዘርዚሩ’ሎ።
ሰመጉ ምርመራ ኣብዘካየደሎም ከባቢታት 19 ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተቐቲሎም ኣለው ይብል።
እቲ መግለፂ ብተወሳኺ ኣብ ክልተ ዙር 22,525 ሰባት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ተኣሲሮም፤ክልተ ሰባት ኣበይ ከምዝኣተው ኣይፍለጥን፣ምእሳሮም ዝተፈልጠ ሸሞንተ ሰባት ድማ ኣበይ ከምዝተኣስሩ ኣይፍለጥን፣ብዙሓት እሱራት ናይ መሳቐይ ምርመራ ተፈፂሙዎም ይብል።
ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት/ሰመጉ/ኣብ ክልል ኦሮሚያ 24 ወረዳታት፣ኣብ ክልል ኣምሓራ ሽዱሽተ ወረዳታት ኣብ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ክልል ክልተ ወረዳታት ከምኡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምርመራ ከምዘካየደ ገሊፁ’ሎ።
ኣብ ገለ ከባቢታት ፆታዊ ዓመፅ፣ወራር ንብረትን ጃምላዊ ማእሰርትን ከምዝተፈፀመን ብርክት ዝበሉ ሰባት እውን ብዝበፅሖም ተፅዕኖ ንብረቶምን ስድርኦምን ገዲፎም ናብ ውሽጢን ወፃእን ሃገር ከምዝተሰደዱ ይሕብር።
እቲ መግለፂ ዝተፈፀሙ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት ካብዚ ንላዕሊ ከምዝኸውን ይግመት ይብል።
መንግስቲ ዜጋታት ዘልዕሉዎም ሕቶታትን ቅሬታን ካብ ምዕፋንን ብሽም ሕጊ ካብ ምድራት ብዴሞክራሲያዊ፣ ብሰላማዊ፣ ብሕጋውን ብስልጡንን መንገዲ ንክምልስ ይፅውዕ።
እቲ መግለፂ ኣብዚ እዋን ኣብ ህይወትን ንብረትን ዝበጽሓ ዕንወት ብነፃን ገለልተኛን ኣካል ንምፅራይ ሕቶ ንዘቕረቡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፣ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ህዝብታትን ኣፍሪቃን ካልኦት ዓለምለኸ ኣካላትን ብዘይቅድመ ኩነት ምርመራ ከካይዱ ክፍቀደሎም ፀዊዑ’ሎ ።
ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ቅድሚ ሓደ ወርሒ ንፓርላማ ኣብዘቕርቦ ፀብፃብ ተፈፂሞም ዝበሎም መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር።
ናይ ሰመጉ መግለፂ ብዝምልከት እቲ ኮሚሽን ዘለዎ ርእይቶ ንምርካብ ዝተኻየደ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።