ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጠባዊ ዕብየት ኣፍሪቃ ምንቁልቋሉ ተሓቢሩ


ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2016 ቁጠባዊ ዕብየት ኣፍሪቃ ዝተሓተ ምንባሩ ሓደ ሪፖርት ሓቢሩ።ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ፣ደርቂ፣ፀጥታ፣ኣብ ገለ ክፋላት ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ድማ ገለ ካብ ምክንያታት ምንቁልቋል እቲ ቁጠባ እዮም።

ኩነታት ቁጠባ ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ዓመት ብፍላይ ምስ ምስፍሕፋሕ ከተማታትን ኢንዱስትሪን ብምትእስሳር ዝተገምገመሉ ሪፖርት ትማሊ ወግዓዊ ኮይኑ’ሎ።ብናይ ሕቡራት ሃገራት ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ዝተገብረ እዚ ሪፖርት ከምዝሓበሮ 2016 ዓ.ም ንቁጠባ ኣፍሪቃ ፅቡቕ ኣይነበረን፡ዝተመዝገበ ዕብየት ኣብ 2015 ዓ.ም ካብ ዝተመዝገበ ትሕቲ ፍርቂ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኣፍሪቃ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ሓላፊ ክፍሊ ትንበያ ኻሊድ ሑሴን ምኽንያት እቲ ምውራድ ዕብየት ከምዚ ክብሉ ይገልፁዎም።

ቁጠባዊ ዕብየት ኣፍሪቃ ምንቁልቋሉ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:29 0:00

“ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣለው፤ገሊኦም ውሽጣዊ ገሊኦም ድማ ደጋዊ።ዝተዳኸመ ቁጠባ ዓለም፣ብዓለምለኸ ደረጃ መጠን ወሊድ ምውሳኽን ዋጋ ናይ ሸቐጥ ኣቑሑት ምውራድን እዮም።ውሽጣዊ ምኽንያታት ድማ ተለዋዋጢ ኩነታት ኣየር፣ፀጥታን ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተርኣዩ ናይ ፖለቲካዊ ዘይምርግግኣትን እዮም።”

ምንቁልቋል ቁጠባዊ ዕብየት ዝተርኣየለን ሃገራት ኣፍሪቃ ናይጀሪያ፣ደቡብ ኣፍሪቃ፣ኣንጎላ፣ኣልጀሪያ፣ግብፂ፣ሞሮኮን ካልኦትን ሃገራት ኣፍሪቃ ይጥቀሳ።ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ግን ዝሓሸ ዕብየት ተመዝጊቡ’ሎ።

“ብዝሒ ህዝቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓመታዊ ብማእኸላይ ገምጋም 5.5 ሚእታዊት ኣብ ዓመት ብቕልጡፍ ምዕባዩ ቀፂሉ’ሎ።እቲ ዕብየት ብዝዓበየ ዝመፅእ ዘሎ ብቕልጡፍ ይስፋሕፋሕ ብዘሎ ሃገራዊ ዕዳጋን ኣብ መዳያት መጎዓዚያን ናይ ፀዓት ምምንጫው ዝለዓለ ምኽንያት እዩ።”

ኣብቲ ሪፖርት ዝተገልፀ 5.4 ሚእታዊት ቁጠባዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ካብዝተገልፅ ዝወሓደ እዩ።ስለምንታይ ከምዚ ዝበለ ኣፈላላይ ይመፅእ ከምዘሎ ዝተሓተቱ ኻሊድ ሑሴን እቶም ግምታት ኣብ ግምት ዘእትውዎም መሰረታዊ መፍለዪ ኣብነታት ዝተፈላለዩ ኣብነታት ስለ እንወስድ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣሃዛዊ መደምደምታ ንበፅሕ ኣለና፤ኩሎም ግምታት ግን ናብ ተመሳሳሊ ኣንፈት እዮም ዝጉዓዙ ዘለው ኢሎም።ዝኾነ ኮይኑ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ይዓቢ ዘሎ ናይ ኣፍሪቃ ክፋል እዩ ኢሎም።

እዚ ፀብፃብ ምስፍሕፋሕ ከተማታት ምስ ምስፍሕፋሕ ኢንዱትሪታት ብምትእስሳር ዝዳህሰሰ እውን እዩ።ኣብታ ኣህጉር ምስፍሕፋሕ ከተማታትን ኢንዱስቱሪን ተነፃፂሎም እናተጉዓዙ እዮም ይብል እቲ ፀብፃብ።ናይቲ ኮሚሽን ዋና ፀሓፊት ጆቫኒ ቢሃ ከምዝበልኦ ኣብ ዝቕፅሉ 20 ዓመታት ኣብዘይመልእ እዋን ብዝሒ ህዝቢ ከተማን ገጠርን ተቐራራቢ ክኸውን እዩ ይብላ።

“ኣብ 2035 ዓ.ም ኣብ ከተማ ዝነብር ህዝቢ ኣፍሪቃ 49 ሚእታዊ ክኸውን ይግመት።እዚ ዕድል ስራሕ ናይ ምርካብ ድልየትን ኣገልግሎትን መሰረት ልምዓትን ክማልኡ ናይ ምሕታት ፈተና የስዕብ።ብተመሳሳሊ ንቁጠባዊ ዕብየት እውን ዕድላት ክፈጥር እዩ።”

ኣብ ኣፍሪቃ ዕብየት ከተማታትን ኢንዱትሪታትን ተነፃፂሎም ይጉዓዙ ከምዘለውን ከተማታት ኣፍሪቃ ኣብዝተበላሸው መሰረት ልምዓት ይስፋሕፍሓ ከምዘለዋን ፀገም ቀረባት ኣገልግሎትን ከምዘሎን ወሲኸን ሓቢረን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቁጠባዊ ዕብየት ኣፍሪቃ ምንቁልቋሉ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:50 0:00

XS
SM
MD
LG