ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መኢአድን ሰማያዊ ፓርትን ኣብ ቂሊንጦ ዘለው አባላትና ምብጻሕ ተኸልኺልና ይብሉ


መኢአድ ን ሰማያዊ ፓርቲ
መኢአድ ን ሰማያዊ ፓርቲ

ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ/መኢኣድን/ ሰማያዊ ፓርትን ኣብ ቂሊንጦ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣባላትና ንምብፃሕ ተኸልኪልና ኢሎም።ሕገመንግስታዊ መሰል ናይቶም እሱራት ዝጠሓሰ ስለዝኾነ ንምምሕዳር መአረሚ ማእኸል ምጥርዖም እውን ገሊፆም።

ኣባላት መራሕቲ ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ /መኢኣድን/ ሰማያዊ ፓርትን ዝሓዘ ጉጅለ እሱራት ዘድልዩዎም ቀረባት ንምሃብ ትማሊ ሶሉስ ናብ ቂሊንጦ እንተኸዱ እውን ሓለፍቲ እቲ መአረሚ ማእከል ከምዝኸልከሉዎምን ዝገዝኡዎ ኣቑሑት ሒዞም ክምለሱ ከምዘገደዱዎምን ንድምጺ ኣሜርካ ገሊፆም።

ነዚ ብዝምልከት ናይ መኢኣድ ፕረዝደንት ዶ/ር በዛብህ ደምሴ ከምዚ ይብሉ።

“እዞም ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሕጊ ዝርከቡ እዮም።ካናቲራ፣ካልስን ካልእን ክረኽቡ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም እዩ።ዝኽልክል ነገር የለን።ሓደ ሰብ ኣብ ማዕጾ ደው ኢሉ ኣቑሑት ጥራሕ ዘይኮነስ ንሳኻትኩም እውን ኣይትኣትውን ኢኹም ኢሉ ዝኽልክል እንተ ኮይኑ ሕገመንግስቲ ዝኣክል ዓብዪ ጉዳይ ንምምሕያሽ ከመይ ይክኣል?ብሓቂ መንግስቲ ብቅኑዕ ፍታሕ ክህበሉ ኣለዎ።”ንሶም ብተወሳኺ ንሳቶም ጥራሕ ተፈሊዮም ከምዝተኸልከሉ እውን ወሲኾም ገሊፆም።

ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ዕላማ እቲ ምብጻሕ ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ተኣሲሮም ዝመፁን ናይ ስድርኦም ናይ ቀረባ ክትትል ዘይብሎምን ኣባላቶም ብፍላይ ንምብፃሕን ብኣካል ንምዝርራብን ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ክሕለወሎም ዝገልፅ ደብዳቤ ንምምሕዳር መአረሚ ማእኸላት ፌደራል ምፅሓፎም ዝገለፁ ክኾኑ ከለው እዚ ተፈፃሚ ዘይኸውን እንተድኣ ኮይኑ ግን ንህዝቢ ብወግዓዊ መግለፂ ከምዘፍልጡ ኣቶ የሺዋስ ገሊፆም።

ብዛዕባ እዚ ካብ መአረሚ ማእኸል ቂሊንጦ መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG