ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍሪቃ፡ ብሓባር ድምጻ ከተሰምዕ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ጸዊዖም


ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ- አዲስ አበባ
ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ- አዲስ አበባ

ኣፍሪቃ ኣብ ዓለምለኸ መድረኻት ዘለዋ ተቐባልነት ንምዕባዩ እታ ኣህጉር ድምፃ ብሓደ ከተስምዕ ኣድላይነቱ ዘጉልህ እዩ ክብሉ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ።

እዚ ኮይኑ ግን ኣፍሪቃ ብሓደ ድምፂ ንምዝራብ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ዝፃረሩ ኣካይዳታት ሎሚ እውን ይርኣዩ ኣለው ኢሎም።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ነዚ ዝገለፁ ኣኼባ ሚንስትራት ኣፍሪቃ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተኸፍተሉ እዋን እዮም ።

እዚ ኣኼባ ሚንስትራት ወፃኢ ጉዳያት ንመራሕቲ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ መንደረድሪ እዩ ።

XS
SM
MD
LG