ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ዲቪ ሎተሪ ዘጋጥም ጌጋን ምጭብርባርን ዝምልከት መግለጺ ሂቦም


ናብ ኣሜርካ ንምእታው ዲቪ ሎተሪ ዘመልክቱ ኢትዮጵያዊያን ካብ መጭበርበርቲ ንርእሶም ክከላኸሉ ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣጠንቂቑ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብዳይቨርስቲ ቪሳ ወይ ዲቪ ሎተሪ ናብ ሃገሩ ንክኣትው ብዝህቦ ዕድል ካብ ኢትዮጵያ በብዓመቱ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ሽሕ ሰባት ከምዘመልክቱ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ሓላፊ ምክልኻል ተግባር ምጭብርባር ቶማስ ቢልስ ንድምጺ ኣሜሪካ ይገልፁ።

ናብ ኣሜሪካ ንምፍላስ ዘሎ ዝለዓለ ድልየት ብዙሓት ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው ተግባራት ምጭብርባር ከምዝፍፀሙ ይገልፁ።

“ልሙድ መንገዲታት ምጭብርባር ቀዳማይ ሰባት ናይ ድቪ ሎቶሪ ንክትረኽቡ ክንሕግዘኩም ዝብሉ ኣለው።እዞም ሰባት እዚኦም ግን ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝተወሃቦም ስልጣን ይኹን ውክልና የለን።ተዓዊትካ ኣለኻ እናበሉ እውን ብኢሜይል መልእኽቲ ይሰዱ፤ስልኪ ይድውሉ ወይ ድማ ደብዳቤ ይፅሕፉ።”

ንሶም ብተወሳኺ 2 ክፍሊ ዝወድአን ብሓሙሽተ ዓይነት ትምህርቲ ናይ መሕለፊ ውፅኢት ዝረኸበን ከምኡ እውን ናይ ዩኒቨርስቲ ዲግሪ ዝረኸበን ግቡኡ ስራሕ ልምዲ ዘለዎን ተጠቃሚ ዕድል ዲቪ ሎቶሪ ክኸውን ከምዝኽእልን ብዘይዝኾነ ይኹን ክፍሊት ብኦንላይን ጥራሕ ብምምምልካት እዩ ካብዚ ወፃኢ ግን ምጭብርባር እዩ ኢሎም ።

ውፅኢቶም ብኦንላይን ምርግጋፅ ከምዝኽእሉ እውን ወሲኾም ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG