ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀርመን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ወፍሪ ምክያድ ንዋሕዚ ፍልሰተኛታት ኣፍሪቃ መፍትሒ’ዩ ትብል


መራሒት ጀርመን ሃብታም ሃገራት ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ናይ ወፃኢ ወፍሪ(ኢንቨስትመንት) ኣገባብ ክኽተላ ፀዊዐን። “ናይ መርከል ትልሚ’’ ተባሂሉ ዝፅዋዕ እዚ መደብ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ንምግታእ ኣብ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ወፍሪ ክተኣታተው ይፅውዕ።

ብመሰረት ናይታ ሃገር ሚኒስትር ወፃኢ ረድኤት ብምሃብ ዘይኮነስ ምድንፋዕ ቁጠባ ኣፍሪቃ ሓድሽ ጠመተ ጀርመን ኮይኑ’ሎ። ብቁጠባዊ ምኽንያት ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ይውሕዙ ዘለው ስደተኛታት ንምግታእ ዝተሓንፀፀ ሓድሽ ኣገባብ እዩ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ሚኒስትር ወፃኢ ጀርድ ሙለር ሓደ ነገር እንተድኣ ዘይተገይሩ 100 ሚሊዮን ስደተኛታት ኣፍሪቃ ናብ ጀርመን ክውሕዙ ይኽእሉ እዮም ክብሉ ስግኣቶም ገሊፆም ኣለው።

መራሒት ጀርመን ኣንጌላ መርኬል ናይ ወፃኢ ኣውፈርቲ ናብ ኣፍሪቃ ንምስሓብ 335 ሚሊዮን ዶላር ንምምዋል ቃል ኣትየን ኣለዋ።ዝቕፅል ሓምለ ኣብዝካየደ ጉባኤ ሃገራት ጉጅለ 20 እተን ዝተረፋ 19 ሃገራት ንቁጠባ እታ ኣህጉር ክሕግዛ ኣብ ምእማን ክሰርሓ እየን።

ጀርመን ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ጠመተ ከምእትገብር ኣፍሊጣ’ላ።ኣይቮሪኮስት፣ሞሮኮ፣ሩዋንዳን ቱኒዚያን ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ዝርርብ እናካየደት ትርከብ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመበሩ ትካል ዓለምለኸ ጉዳያት ሓላፊ ፕሮግራም ቁጠባዊ ዲፕሎማሲ ታሊታ በርትስማን-ስካት ጀርመን ንሕሉፍ ሕማቕ መግዛእታዊ ታሪኽ ኣፍሪቃ ብምቕያር መራሒት ርክባት ንግዲ ትኸውን አላ ይብላ።

“ጀርመን ብዙሕ ኣበርኪታ እያ።ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብምምስራህ ውጽኢታዊት ሃገር ኮይና እያ ወፂኣ።ኣፍሪቃ ኢንዱስትሪያዊ ንምዃን መንገድታት ትደሊ እያ ዘላ።ጀርመን ድማ ናይ መሪሕነት ተራ ክትጻወት እያ።”

ጉባኤ ጉጅለ 20 ናይ ክልተ መዓልታት ጉባኤኡ 7ን 8ን ሓምለ 2017 ዓ.ም ኣብ ሃምበርግ ከካይድ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG