ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ተምላስን ውጽኣትን 68 ህጻናት ምሟቶም ተገሊጹ


 ዶሎ ዞን
ዶሎ ዞን

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ድርቂ ዝተፈጥረ ሕፅረት መግብን ማይን ስዒቡ ብዝወረደ ለበዳ ሕማም ተምላስን ውፅኣትን ኣብ ክልል ሶማሊያ 68 ህፃናት ምሟቶም ዶብ ኣልቦ ሓካይም ገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ምኽንያት ሞት ናይቶም ህፃናት ግዜ ዘይህብ ሕማም ተምላስን ውፅኣትን እዩ ኢሉ’ሎ ።

እቲ ጉጅለ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብቲ ክልል ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ክሰርሕ ምጽንሑ ወሲኹ ገሊፁ’ሎ።

ኣብዞባ ዶሎ ሓዊሱ ኣብዝተፈላለዩ ወረዳታት ንሸሞንተ ሽሕ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ንምሕጋዝ ፈተነ ይኻየድ ምህላው ኣብቲ ትካል ሓላፊት ሕማም ተምላስን ውፅኣትን ቴራ ኖልን ገሊፀን።

“ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ።ሓሙሽተ ዓመት ዘይመልኦም 68 ህፃናት ኣብ ውሽጢ እዚ ዘይዛዘምናዮ ወርሒ ሰነ ጥራሕ ኣብ ማእኸላት ሕክምና ሞይቶም።ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ፃዕርታት እንተገበርና እውን ህይወቶም ምድሓን ዘይምኽኣሉ እቲ ፀገም ኣዚዩ ሰፊሕ ብምዃኑ እዩ።”

እቲ ጉጅለ ዝኣከቦ ሓበሬታ ንምሉእ ስእሊ ኣየርእን፤ሓገዝ ዘይረኽቡ ብዙሓት ህፃናት ኣብ ፀገም ኣለው ምባለን ግን ተሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG