ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ደርቂ ዝውዕል ዝተረኽበ ሓገዝ ውሑድ ምኳኑ ተሓቢሩ


ኮሚሽነር ሃገራዊ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኮሚሽነር ምትኩ ካሳ
ኮሚሽነር ሃገራዊ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኮሚሽነር ምትኩ ካሳ

ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ደርቂ ዝውዕል ክሳብ ሕጂ ካብ ለገስቲ ዝተረኽበ ረድኤት ውሑድ ምዃኑ ኮሚሽነር ሃገራዊ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጦም። ኮሚሽነር ሃገራዊ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኮሚሽነር ምትኩ ካሳ ክፍተታት ንምምላእ ቅድመ ምድላዋት ተገይሮም ኣለው ኢሎም ።ረድኤት እንተድኣ ዘይተረኺቡ ንልምዓት ዝተመደበ በጀት ናብ ረድኤት ብምምዳብ ህይወት ምትራፍ ናይ መወዳእታ አማረፂ እንተኾነ እውን ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ ዘገድድ ኩነታት ኣይተፈጥረን ኢሎም።

ኮሚሽነር ሃገራዊ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣቶ ምትኩ ካሳ 7.8 ሚሊዮን ህዝቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ካብ ዝግለፅ፣ካብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ 262 ሚሊዮን ዶላር ጥራሕ ከምዝተረኸበን እዚ ድማ ዝወሓደ ምዃኑን ገሊፆም። ንሶም ብተወሳኺ ቅድሚ ሎሚ እንተዝኸውን ግን 40 ሚእታዊት ምተረኸበ ነይሩ ኢሎም።

ብዛዕባ’ዚ ውሑድ ሓገዝ ምክንያት ድማ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።

“ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዓፀቦ ዝኣወጃ ሃገራት ስለዘለዋ ለገስቲ ሃገራት ክምጠጣ ገይሩወን እዩ።ካብዚ ዝተልዓለ እንታይ ኢና ክንገብር ንኽእል ኢልና እናፈተሽና ኢና ንርከብ።ክንድቲ እንደልዮ ረድኤት እንተድኣ ዘይረኺብና እንታይ ክንገብር ንኽእል ዝብሉ ኣማረፂታት ንሪኢ ኢና ዘለና።”

“እቲ ቀዳማይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሕብረተሰብ ኣሳቲፉ ክሳብ ክንደይ ክጉዓዝ ይኽእል ዝብል ሪኢዩ’ሎ።ካልኣይ ድማ ካብ ለገስቲ ማዕረ ክንደይ ክርከብ ይኽእል?እንተድኣ ዘይተረኺቡኹ?ኣብ መወዳእታ ኣብ እንግድዓ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ እዩ ዝወድቕ።ብደረጃ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክንርኢ ከለና ካብ ዓሚ ጀሚሩ ፅቡቕ ምንቅስቓስ ኣሎ።ፌደራላውን ክልላውን መንግስታት እውን በጀት ይምድቡ እዮም።እቲ ሕብረተሰብ ብርእሰ ተበግሶ መግቢ ገዚኡ ንመጎዓዚያ ከፊሉ ብድርቂ ናብ ዝተጠቕዑ ማሕበረሰባት ዘቕርበሉ ኩነታት ኣሎ።”

ረድኤት ዘይረከብ እንተድኣ ኮይኑ ግን ንልምዓት ዝተመደበ ገንዘብ ናብ ረድኤት ብምዛር ናይ ዜጋታት ህይወት ናብ ምትራፍ ክኽየድ እዩ ኢሎም።እቲ ድርቂ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ኣጋጢሙ ዝነበረ ዘይኮነስ እንስሳት ብምርባሕ ኣብ ዝናበሩ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ማሕበረሰባት ጥራሕ ብምዃኑ ናብቲ ደረጃ ኣይተበፅሐን ኢሎም።

ን7.8 ሚሊዮን ሰባት ዝውዕል ካብ ዝተሓተተ 1.13 ቢሊዮን ዶላር ዛጊት መንግስቲ ካብ ናይ ባዕሉ ባጀትን ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተኣኻኸቦን ኣስታት 200 ሚሊዮን ዶላር ከምዝመደበን ካብ ለገስቲ ድማ 262 ሚሊዮን ዶላር ከምዝኾነ ብምግላፅ ብድምር 462 ሚሊዮን ዶላር ከምዝተረኽበ እንተኾነ ምስቲ ዝተሓተተ ክነፃፀር ከሎ ኣዚዩ ዝወሓደ ምዃኑን ወሲኾም ገሊፆም።

ናይ ዝሓለፈ ዓመት ግን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ኣብ ውሽጢ 50 ዓመታት ተራኢዩ ዘይፈልጥ ስለዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ማሕበረሰብ ዓለም ዝለዓለ በጀት መዲቦምሉ ከምዝነበሩ ገሊፆም።

ኣቶ ምትኩ ካሳ እቲ ዓብዪ ፀገም ኮይኑ ዘሎ እቲ ድርቂ ንምምካት’ዃ ግዜ ከይሃበ ተኸታቲሉ ይበፅሕ ምህላው እዩ ኢሎም።

ሓገዝ ንሓትት ዘለና ቀዳማይ ነገር ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእ ክፍጠር ትፃወቶ ዘላ ተራ፣ብካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ውሽጣ ልዕሊ 830 ሽሕ ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ምትእንጋድ ስለእትርከብ ናይ ንግድ ቁጠባዊ ዕብየታ ክቕፅል ኣለዎ፤ቁጠባዊ ዕብየታ ክቕፅል ድማ ክትሕገዝ ይግባእ ካብ ዝብል ምኽንያት ከምዝኾነ ኣቶ ምትኩ ክሳ ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ደርቂ ዝውዕል ዝተረኽበ ሓገዝ ውሑድ ምኳኑ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:10 0:00

XS
SM
MD
LG