ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ: ኣብ ሰለጤን ሜጋ ፕሮጀክትታት፣ዝርግሐ ሃዲድ ባቡር መቐለ-እንዳስላሰ፣ይጓተቱ ዘለው ፕሮጀክትታት ማይን ስታዲዮምን ከተማ መቐለ (2ይ ክፋል)


ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮሚያን ንዝልዓሉ ሕቶታት መንግስቲ ቕልጡፍ ምላሽ እናሃበ ኣብ ክልል ትግራይ ግን ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያምችደሳለኝ ትልሚ መንገዲ ባቡር መቐለ-እንዳስለላሰ ኣመልኪቶም ዝተዛረቡዎን ስራሓት መንገዲ ባቡር ወልዲያ-መቐለ ደውው ኢሉ ንዝበሃል ወረን ተወለድቲ ትግራይ ንዘልዓሉዎም ሕቶታት መንግስቲ ኣብ እዋኑ መልሲ ኣይሃበን ይብል ንፖለቲካዊ፣ማሕበራውን ቁጠባውን ጉዳያት ኢትዮጵያ ዝከታተልን ዝፅሕፍን ኣቶ ገብረስላሴ ኣርኣያ ካብ ስዊድን።ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝምልከት ብክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ወፂኡ ንዝተባህለ ረቂቕ ሕጊ ከም ኣብነት ብምጥቃስ መንግስቲ ህፁፅ መብርሂ ምሃቡ ይሕብር።

"ረቂቕ ሕጊ ተባሂላ ወጺኣ መንግስቲ ቀልጢፉ ሓበሬታ ሂቡ።ንትግራይ ክኸውን ከሎ ንምንታይ ከምኡ ዘይግበር?’’ ኢሉ ይሓትት’ሞ እቲ ሰብ መማረፂ ስኢኑ ኣብ ማህበርዊ መራኻቢ ብዙሃን እንተፀሓፈ እውን ናይ መንግስቲ ግልፁነት ስለዘየለ እዩ ይብል።

ምኽትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ‘ካዛ ካፒታል ጉድስ ፋይናንስ ናይ ማሽነሪ መካረዪ ኩባኒያ’ ኣቶ ኣማኑኤል ገብረትንሳኤ ካብ መቐለ ግን ሕቶታት ክልዓሉ ከለው መሓውራት መንግስቲ መግለፂታት ይህቡ እዮም እንተኾነ ግን "ኩላ ኣብ ፌስቡክ ንዝተፅሓፈት መልሲ ክውሃብ ኣለዎ እንተኾይኑ ግን መንግስቲ ኣብ ስራሕን ልምዓትን እዩ ዘሎ" ክብል ይነፅጎ።

"ብሰንኪ ቢሮክራሲያዊ ማሕለኻታትን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ክፍሊት ግብርን ትግራይ ካብ ካልኦት ክልላት ብዝብኣሰ ንኢንቨስትመንትን ንግድን ምችውቲ ከይትኸውን ገይሩዋ እዩ" ዝበለ ሰራሕተኛ ኢትዮ-ቴሌኮምን ኣብ ፌስቡክ ዝፅሕፍን ኣቶ ኣስፋው ገዳሙ ኣብ ትግራይ ክሰርሑ ከይዶም ከስርሑዎም ዘይክኣሉ ክብል ንኣቶ ዳዊት ገብረእግዛብሄር ከም ሓደ ኣብነት ይጠቅስ።

ካልኣይ ክፋል እዚ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል እዩ።

ዘተ ኣብ ምጉታት ፕሮጀክታት ማይን ስታዲዮምን ከተማ መቐለ (2ይ ኽፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:23:43 0:00


XS
SM
MD
LG