ኢትዮጵያ ብናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ካብ እትመሓደር 10 መዓልታት ኮይኑ’ሎ።ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝተኻየዱ ተቓውሞታትን ዕግርግርን ስዒቡ መንግስቲ ዘውፅኦ ናይ ህፁፅ ኣዋጅ መሰል ዜጋታት ካብ ምድራት ዝዘለለ ፍታሕ ኣይኮነን ክብል ሓደ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ገሊፁ።
ናይ ፓሪስ ስምምዕ ለውጢ ኩነታት አየር ኣፍሪካ ብኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ተራባሒት ንክትኸውን ዕድል ዝህባን ለውጢ ኩነታት አየር ዝፈጥሮም ፈተናታት ንምምካት ዘኽእል ናይ ገንዘብ ዓቕሚ ዘርክበላን እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ፍሉይ ዞባ ኦሮሚያ ከተማ ሰበታ ተፈጢሩ ብዝነበረ ህውከትን ዕንወት ንብረትን ብዝተኣሳሰረ ተሓተቲ እዮም ዝተባህሉ ሓደ ሽሕ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ተፈሊጡ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተላዓለ ህውከት ብናይ ወፃኢ ዜጋታት ዝወነኑ ኩባንያታት ዒላማ ኮይኖም ኣለው።ሰበስልጣን መንግስቲ እቲ ናዕቢ ንቁጠባዊ ዕብየት እታ ሃገር ንድሕሪት ከይመልሶ ስግኣት ኣለዎም።ተንተንቲ ግን ኣብታ ሃገር ዘሎ ቁጠባዊ ዕብየት ንክቕፅል ናይቶም ተቓወምቲ ሕቶታት ምፍታሕ ኣገዳሲ እዩ ይብሉ።
ናይ ኢትዮጵያዊያን ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ/ኢዴፓ/ ኣብታ ሃገር ዝተፈጥሩ ሽግራት መፍትሒ ሓሳብ ዘቕርብ ኮሚሽን ክጣየሽ ፀዊዑ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ዝተኣወጀ ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ንዘሎ ፀገም ክፈትሕ እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ እውን ኢዴፓ ገሊፁ’ሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ዞባ ጌዶ ብዝተፈጥረ ግጭት ተወለድቲ እቲ ከባቢ ኣጥቒዖምና ብዝበልዎም ሰባት ቁፅሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝሞቱ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ዝኣወጀሉ ምኽንያት ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ይመፅእ ብዘሎን ኣብታ ሃገር ብዘንፀላለወን ስግኣት እዩ ኢሎም ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ።
ኣብ ዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥሩ ህውከትን ቅልውላውን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ንዝወረደ ጉድኣት ዓብይ ግደ ዝተፃወቱ ናይ ወፃኢ ሓይልታትን ብሽብር ዝተመደቡ ኦነግን ግንቦት ሸውዓተን ምዃኖም ናይ ኢትዮጵያ ፕሬዝዳንት ኣፍሊጦም።
ቀንዲ መለለዪ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት/ሰመጉ/ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበሩ ድምፂ ምስማዕን ምሕታትን እዩ ኢሉ።ሰመጉ መበል 25 ዓመት በዓል ምስረታ ንምኽባር ይዳሎ ኣብ ዘለሉ እዋን ክሳብ ሎሚ ብኽስታት መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዋላ ሓደ ኣካል ወይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ናብ ሕጊ ቀሪቡ ኣይፈልጥን ኢሉ’ሎ።
ናይ ኢትዮጵያ ጥምረት ተቓወምቲ መድረክ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ በዓል ኢረቻ ንዝወረደ ህልቂት ህዝቢ ሓላፍነቱ ናይ መንግስቲ ኢህወዴግ እዩ ኢሉ።ዝተፈጥረ ሓደጋ ዘፃሪ ነፃ ኣካል ክጣየሽን ፈፀምቱ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ግዳያት ድማ ካሕሳን መጣየስን ክውሃቦምን ሓቲቱ’ሎ።
ዝኾነ ይኹን ኣካል ንህይወት ሰብ ዝለዓለ ጥንቃቐ ክገብር ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።መንግስቲ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ሓላፍነት ዘለዎ ስለዝኾነ ኣርሒቑ ብምሕሳብ ኩሉ ዝግባእ ክገብር ሓቲቱ’ሎ።ህዝቢ እውን ካብ ፅልኢ፣ኣድማን ህውከትን ክርሕቕን ሕቶኡ እውን ብሰላማዊ መንገዲ ከቕርብን ፀዊዑ’ሎ።
ብዝሒ ካብ ደቡብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ዘለው ፍልሰተኛታት ብዝለዓለ ደረጃ ብምውሳኹን ተወሳኺ መዕቖቢ ካምፕ ይሰርሕ ምህላዉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍሊጡ።
ተሓላቒ ንሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓይልታት ሱዳን ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ኬሚካላዊ ኣፅዋር ምጥቃሞም ኣፍሊጡ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝለዓለ ዕብየት ዘርኣየ ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት ምቕናስ ከርኢ ክብሉ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት መንግስታትን ተንቢዮም።
ናይ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ሕጽይቲ ሂላሪ ክሊንተንን ናይ ረፖብሊካን ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕን ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሚሊዮን ኣሜሪካዊያን ብቴሌቭዥን ብቐጥታ ዝተኸታተሉዎ ፈላማይ ውዑይ ክትዕ ትማሊ ምሸት ሶኑይ ኣካይዶም።ኣብቲ 90 ደቓይቕ ዝወሰደ ክትዖም ክልቲኦም ተወዳደርቲ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ፡ ቁጠባን ካልኦት ዛዕባታትን ተራፂሞም ኣለው።
ሂላሪ ክሊንተንን ዶናልድ ትራምፕን ሎሚ ምሸት ኣብ ኒው ዮርክ ብቐጥታ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝመሓላለፍ ፈላማይ ፕሬዝዳንታዊ ክትዕ ከካይዱ እዮም።ክትዕ ሂላሪን ዶናልድን ኣብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ በብዝሒ ካብ ዝተርኣዩ ሓደ ክኸውን እዩ።ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝኻየድ ጉዕዞ’ውን ጽልዋ ክህልዎ እዩ።
ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ኣባላት ሰማያዊ ፓርትን ካልኦትን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብበዝሒ ይእሰሩ ኣለው ክብሉ ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት ተዛሪቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ እብ እዋን ተቓውሞ ዝተፈፀሙ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ክፃረ ዘለዎ ብገለልተኛ ኣካል ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ተቓወምቲ የተሓሳስቡ ኣለው።ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገለልተኛ ኣይኮነን ይብሉ ኣለው።
ፅንፊ ዝሓዙ ጉጅለታት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብምጥቃም ዝተጋገየ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ፅልኣት እናጋፍሑን ምዃኖም ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣተሓሳሲቦም።
ኢትዮጵያዊያን ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።
ተወሳኺ ጽዓን